መንግስታዊ ትካል ሓበሬታ ኣምሓራ፡ ሎሚ ምሸት ኣብ ባህርዳር ሮኬታት ከምዝዓለበ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ ናይቲ ትካል ገሊጹ። እቲ ኣብ ባህርዳር ዝዓለበ ሮኬታት ሰለስተ ምኻኑ ዝገለጸ፡ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ዘውረዶ ጉድኣት ዝተፈለጠ ነገር ከምዘየለ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣስመራ፡ ባህርዳርን ጎንደርን ብሮኬታትን ሚሳይላትን ተደብዲበን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰብኣውን ንዋታውን ዘውረዶ ዕንወት ዝተረኽበ ጭቡጥ ሓበሬታ ክሳብ ሒጂ ክርከብ ኣይተኻእለን።
ኢትዮጵያ ካልኣይ ሰሙኑ ኣቁጺሩ ዝርከብ ኲናት ካብ ትኣቱ፡ ብዙሕ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ኣጋጢሙ ክኸውን ከምዝኽእልዩ ዝግመት።
Disclaimer | መተሓሳሰቢ
The views and opinions expressed in " ባህርዳር ንካልኣይ ግዜ ብሮኬታት ተደብዲባ " are those of the author and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media.
ኣብዚ " ባህርዳር ንካልኣይ ግዜ ብሮኬታት ተደብዲባ " ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይቲ ጸሓፊ/ት እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሜዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።