ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሎሚ 20 ሓዳር 2020፡ ነቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዝርከብ ኲናት፡ ኩሎም ወገናት እቲ ኲናት ደው ናይ ምባል ስራሕ ክሰርሑን፡ ሰለማዊ ፍታሕ ክርከቦን ጻውዒት ኣቕሪባ።
እቲ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ዝተጻሕፈ ናይ ሰላም ጻውዒት፡ “መልእኽቲ ሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ኮይኑ፡ ኣገዳስነት ሰላምን፡ ኲናት ሳዕቤኑን ብዝምልከት ዘብርህ መንፈሳዊ ጽሑፍ ብምድላው፡ ኲናት ህይወት ወዲሰብን ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ “ሓቂ፡ ርትዒ/ፍትሒ፡ ፍቕርን፡ ናጽነትን ከምዝቅትል ዝርዝራዊ ብዝኾነ መገዲ እዮም ኣቕሪቦሞ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብዙሕ ግዜ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ሽግራትን፡ ምጉዳል ፍትሕን ዓመጽን ክትኩንን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ ሰላም፡ ፍቅሪ፡ ፍትሕን ጻውዒት ከተቅርብ ከምዝጸንሐት ይዝከር።
Disclaimer | መተሓሳሰቢ
The views and opinions expressed in " ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪባ " are those of the author and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media.
ኣብዚ " ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪባ " ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይቲ ጸሓፊ/ት እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሜዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።