ድሕሪ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ሮኬት መጥቃዕትን ኣብ ከባቢታት ሰንዓፈ ዝኽይድ ዘሎ ድብዳብን: ስርዓት ኣስመራ ምብርሂ ከይሃበ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብመገዲ የማነ ገብረመስቀል ኣቢሉ ሓጺር መልእኽቲ ሰዲድ።
ሚኒስተር ሚኒስትሪ ሓበሬታ ኣቶ የማን ገብረመስቀል ሎሚ ብመንገዲ ትዊተር ” ንኽልተ ዘመናት ኤሪ-ቲቪ እዋናውን ብዕምቆትን ዝተዳለወ ዶኮመንታሪ ሰነዳትን ትንተናታትን ብዛዕባ ጃንዳ ወያነ ሓበሬታ ንህዝቢ ክህብ ጸኒሑ እዩ። ስለዝኾነ ነዚ ናይ መወዳእታ ናይ ሰዓት 11፣00 ዕርበቱ ኣድህቦ ምሃብ ትርጉም ኣልቦ እዩ።” ክብል ተዛረቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንኮሎ፡ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኤርትራ ኣቶ የማና ገብርኣብን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ግብጺ ከምዛተወ ተሓቢሩ።
Disclaimer | መተሓሳሰቢ
The views and opinions expressed in " ስርዓት ኣስመራ ስቕታኡ ሰይሩ " are those of the author and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media.
ኣብዚ " ስርዓት ኣስመራ ስቕታኡ ሰይሩ " ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይቲ ጸሓፊ/ት እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሜዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።
መደብኩም ንጹርን ጽፉፉ ብምዃኑ ክሕብረኩም ኣናፈተኹ ከምኡ ድማ እዛ ሜድያኹም ብዓጸፌታ ንኽትዓቢ እናተመነኹ ኣብ ስራሕኩም ዓወት ይምነየልኩም ቀጽሉ ድማ በርትዑ።