Monday, March 4, 2024

ሓጽር መግለጺ ብኣጋጣሚ ስነስርዓት ቀብሪ ብልቢ እነፍቕሮን እነፈትዎን ወድና ዑመር ዓብደላ

إن الله وانا اليه راجعون

ብምኽንያት እቲ ብ ዕለት 20 ጥሪ 2024 ኣብ ሮሾን ጽዮን፡ እስራኣኤል፡ ኣብ ልዕሊ ደቅና ዑመር ዓብደላን ሱልጣን ሳልሕን ብዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ ግፍዒ፡ መላእ ስድራቤትን መቕርብን ኣብ መርር ሓዘን ንርከብ። ተኻፈልቲ ሓዘና ብሙዃን ዘጸናናዕኩምናን ዝተሓባበርኩምናን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘንኩም ዝገለጽኩምልናን ምሳና ዝተደናገጽኩምን ብልቢ ነመስግን። ሕሰም ኣይትርከቡ ድማ ንብለኩም።

ነቲ ከብድ ማህሰይቲ ወሪዱዎ ኣብ ከብድ ስቓይ ንዝርከብ ወዲና ሱልጣን፡ ምሉእ ምሕረት ክወርደሉ ኣብ ዱዓናን ጸሎትናን ንዘክሮ።

ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት፡ ናብ ሕጊ ቐሪቦም ዝግበኦም መቕጻዕቲ ኽወሃቦምን፡ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዝሕዝን ፍጻመ ብቤት-ፍርዲ መዕለቢ ክግበረሉን፡ ልዑል እምነት ኣለና ። መስርሕ ጉዳይ ፍርዲ ክሳብ ዝጻፈፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ዝወሃቡ ርእቶታት ህዝቢ፡ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ዘይበርዝን ንሓዘንተኛታት ስድራቤት ግዳያት መሊሱ ዘይጎድእን ምንታን ክኸውን፡ ብክብረትኩም ክትተሓባበሩና ነተሓሳስብ።

ብውልቀ-ሰባት ዝተፈጸመ ገበን፡ ዘይተደልየ ኣሉታዊ ማእዝን ንኽሕዝን፡ ነቲ ንዘመናት ትኸባቢሩን ተወሃሂዱን ንዝነብር ሕብረተ-ሰብና ካብ ነነሕድሕዱ ንምርሕሓቕ ዝግበሩ ፈተነታት፡ መግትኢ ክግበረሎም ሓላፍነት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዘጋ ምዃኑ ምሕጽንታና ነቕርብ።

ደግምና፡ ንኹሎም ኣብ ግዜ መርር ሓዘና፡ ኣብ ጎንና ብምዃን ዘጸናናዕኩምና፡ ገንዘባዊ ሓገዛት ዝገበርኩምልና፡ ከምኡ ውን ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራብ ዝተሓበበርኩምምና ውልቀ-ሰባትን ማሕበራትን፡ ካብ ልቢ ንመስግን።

ካብ ስድራቤትን መቕርብን ግዳያት
ዑመር ዓብደላን ሱልጣን ሳልሕን።

ዕለት 2/2/2024

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

seventeen − 7 =

Stay Connected

7,413FansLike
635FollowersFollow
19,200SubscribersSubscribe

Latest Articles