ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ኣቦ ወንበር ኢጋድ ዝቐረቦ ሽምግልና:ብ ቐዳማይ ምኒስተር አቢይ አሕመድ ተነጺጉ

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፣ነቲ ብ ኣቦ ወንበር ኢጋድ ዓብደላ ሓምዶክ ዝቐረበሉ ናይ ሽምግልና ጻውዒት ከምዝነጸጎ ሱዳን ትሪብዩን ዝተሰምየት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ።

እቲ ኣቦ ወንበር፣ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ነቲ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክቕበሎ ከምዘለዎ ንኸእምኖ ኣርባዕተ ግዜ ዝኸውን ናይ ቴሌፎን ዝርርብ  እኳ እንተኣካየደ እቲ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ እዩ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ዝገልጽ።

እቲ ሚኒስተር ብወገኑ፣ እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ዝኾነ ግዳማዊ ምትእትታው ኣየድልን ዝብል መልሲ ከምዝሃቦ ውን ካብ ቤ/ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ኣቦ ወንበር ኢጋድን ዝኾነ  ዓብደላ ሓምዶክ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ ክትብል ያ ወሲኻ ጸብጺባ ዘላ።

እዚ ኣብ መንጎ እቲ ብመሪሕነት ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ወጥሪ  ናብ ዕላዊ ውግእ ካብ ዝምዕብል  ሽዱሽተ መዓልታት ኣቑጺሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፣ ናብ ዝገደደ ኣዕናዊ ኩናት ሕድሕድን፣ዞባዊ ዘይምርግጋእን ከይዓርግ ንብዙሓት ወገናትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣሻቓሊ ኮይኑ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን፣ዋና ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፖምፖዮን ዝርከብዎም ላዕለወት ሓለፍቲ፣ክልቲኦም ወገናት ፣ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታትን ኣብቲ ዞባ ንከኸትሎ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ስጉምቲ ኣቋሪጾም ናብ ዘተ ክመጹ ከምዘተሓሳሰቡ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

3 × one =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

ኩነታትና 

0
ዓቅሊ ጽበት ውሽጥና፡ ንብሃረርታ ዝብህጎ ጽቡቅ ነገር ክሕዝ ጥራይ ዝመጣጠር ኣእዳው ድኣ እምበር፡ ነቲ ናብኡ ክበጽሕ ዝርገጽን፡ ዘይርገጽን ክርኢ ዝሕግዝ ብልሒ ክጥቀመሉ ኣይረኣይን። ነዚ...

NEWS:- ጥምረት ደምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጁለ 7 (G7)ን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ

0
ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ “ምሕያል ደሞክራሲ ኣብ ሃገራት ጉጁለ 7ን ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ተሳቲፉ። ኣብ ሃገረ...

HOME:- ኤርትራውያን ስደተኛታት፤ ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰብ ከይኮኑ ይስጋእ

0
ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዘቃለዖም ክኢላታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ገሊጾም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዑጡቓት ክልል...

Latest Articles