ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023
spot_img

HOME:- ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ጽላል ይኣክል ካናዳ ተዛዚሙ 

“ህዝባዊ ቃልሲ ንውሑስ መጻኢ”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፥ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ጽላል ይኣክል ካናዳ፡ ሎሚ 08 ሕዳር ንካልኣይ መዓልቲ  ቀጺሉ ድሕሪ ምውዓል፡  ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝኣባላታ ኣወሃሃዲት ኣካል ጽላል ይኣክል ካናዳ ብምምራጽ ተዛዚሙ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዋዕል’ኡ፡ ብመሰረት ትማሊ ዝጸደቀ ቅዋም ጽላል ይኣክል ካናዳ፡ ብ “እሌክሽን ራነር ሶፍትዌር (Election Runner software)” ተሓጊዙ ብማንዛዊ (virtual) ኣገባብ  መሰርሕ ምርጫ ኣባላት ኣወሃሃዲት ኣካል ኣካይዱ።

ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ካናዳ ብወከልተን ዝተላእከ፡ መልእኽቲ ንህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክልን፡ ጽላል ይኣክል ካናዳን፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ናይ ክብሪ ዕዱማትን መደረኦም ብምስማዕን፡  ብቛንቋታት ዓረብ፥ ዓፋር፥ ኩናማን ካልኦት ቋንቋታትን፡ መልእኽትታትን ናይ ግጥምን ደርፍታትን መደባት እውን ዘካተተ ከምዝነበረ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ወኪል ሰቲት ኣፍሊጡ።  ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ጽላል  ይኣክል ካናዳ፡ ደምዳሚ ኣዋጅ ብምውጻእ ናይ ክልተ ማዓልቲ ዋዕል’ኡ ዛዚሙ።

ከም ዝዝከር ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም “ውሁድ ስራሕ ንውሑስ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕልኡ ብማንዛዊ( Virtual) ኣገባብ ከምዘካየደ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

five × five =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles