ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023
spot_img

HOME:- ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ጽላል ይኣክል ካናዳ ይካየድ ኣሎ 

“ህዝባዊ ቃልሲ ንውሑስ መጻኢ”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፥  07 ሕዳር 2020 ብ ማንዛዊ (Virtual) ተጀሚሩ፡ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ይኣክል ጽላል ካናዳ፡ ንክልተ መዓልቲ ክቅጽል እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ዋዕል’ኡ፡ ኣብ ምጽዳቕ ቅዋም ጽላል ይኣክል ካናዳ ክዛተ ከሎ፡ ካብ ዝተፈላላዩ ከተማታት ካናዳ ብወከልተን ዝተላእከ፡ መልእኽቲ ንህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክልን፡ ጽላል ይኣክል ካናዳን፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ናይ ክብሪ ዕዱማትን መደረኦም ብምስማዕን፡  ካልኦት መደባትን ብምክያድ፡ ናይ ሎሚ መደብ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕልኡ ዛዚሙ። ዋዕላ ይኣክል ጽላል ካናዳ ጽባሕ 08 ሕዳር ቀጺሉ ከምዝውዕል፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ከም ዝዝከር ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም “ውሁድ ስራሕ ንውሑስ መጻኢ”ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕልኡ ብማንዛዊ( Virtual) ኣገባብ ከምዘካየደ ይፍለጥ።

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

4 × one =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles