ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ቁንሱል ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ሰለሙን መሓሪ ናይ ቆንሱል ስራሕ ደው ከብል ተኣዚዙ

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይት ሆላንድ   ኣብ ልዕሊ ወኪል እምባሲ ኤርትራ ስጉምቲ ወሲዱ።  ብመሰረት ምንጭታት ሰቲት ካብ’ታ ሃገር፡ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሆላንድ፡ ስተፍ ብሎክ፡ ነቲ ቐንዲ ተግባርን ኣካያድን ናይ’ቲ ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ድለባ ዝኾነ ሰራሕተኛ  ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሄግ ዝኾነ ሰለሙን መሓሪ፡ ምሉእ ብምሉእ ስርሑ ደው ከብል ኣዚዙ ኣሎ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ ነቲ ወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ብ ሰሉስ 27 ጥቅምቲ 2020 ጸዊዕዎ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ሬዲዮ ኣርጎስ (Argos) ኣብ ናይ ቀዳም ፈነወኣ ከምዝጸብጸበቶ፡ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ፥ ብምስመስ መኸተ ኣንጻር ኮሮና፥ ዘይሕጋውን ከም’ኡ ‘ውን ብኣስገዳድ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ካብ 100 ዩሮ ንላዕሊ ከዋጽእ ከምዝሕተቱ ከምዝገበረን ይፍለጥ።  ከም ዝዝከር፡ ኣብ 2018 መንግስቲ ሆላንድ ንላዕለዋይ ተጸዋዒ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ዝንበረ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ ብምኽንያት ዘይሕጋዊ ወፍሪ ድለባ ገንዘበን 2% ቀረጽን ከምዘባረሮ ይፍለጥ።

ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር: ሚኒስተር ዜና ስርዓት ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ ሆላን ጠቒሱ: ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ፡ “እቲ ተደጋጋምን ዘይቅቡሉን ተግባራት ናይ መንግሰቲ ሆላንድ ከም ዘተሓሳስቦ ዝገልጽ ተሪር መልእኽቲ ከመሓላልፍ ከም ዝኾነን ተወሳኺ ቅቡልን ተመጣጣንን ስጉምቲ ኣብ ግዚኡ ክወስድ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ”።

 

 

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

seven + seven =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles