Monday, March 4, 2024

ውሕልነት ሓሶት መንግስቲ ኢትዮጵያ

ኣብ ታሪኽ ኩሎም ዝላዓሉ ኩናትን ውግኣትን ውሑዳት ብስልጣንን ትዕቢትን ዝዓወሩ መራሕቲ ዘበገስዎም እዮም። ሓፋሽ ህዝቢ ባዕሉ ንካልኦት ሃገራት ክወርርን ክዕምጽን ተበጊሱ ኣይፈልጥን እዩ። ብኣንጻሩ ግን ወረርቲ ሓይልታት ክመጽዎ እንከለዉ ምእንቲ መሬቱን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ነዲሩ ክልዓልን ክከላኸልን ንቡር እዩ።
ኩሎም ገዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃይለስላሴ ክሳብ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሓሶት ጽውጽዋይ እንዳፈጠሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ገበን ፈጺሞምን ይፍጹሙን ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ንመበል ካልኣይ ግዜ ኣብ ፓርላማ ሃገሩ ተረኺቡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ ዝሃቦ ተቀባልነት ብህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከባቢ ሃገራትን ዘይረኸበ ዘረቡኡ ንምምሕያሽ ዝገደደ ጌጋታትን ኣዳናጋሪ ሓሶትን ምፍርራሕን ሓዊሱ መግለጺ ሂቡ።
ኤርትራ ኣብ 1991 ነጻነታ ምስ ረኸበት መንግስቲ ኤርትራ ከም መግለጺ ሕውነትን ምትሕብባርን ሰላማዊ ጉርብትናን ወድብ ባጽዕን ዓሰብን ንኢትዮጵያ ብስማዊ ክፍሊትን ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘይኮነስ ብናይ ኢትዮጵያ ብር ክትጥቀመሉ ኣፍቂዱ እዩ። ስርዓት ወያነ ግን ብኽፍኣትን ተንኮልን ተላዕጢጦም ኩናት ምስ ኣወጁ ንወደባት ኤርትራ ብምሕሳም ፍጹም መዋዳድርቲ ዘይብሉ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ክፍሊት ብምኽፋል ንወደብ ጁቡቲ ክጥቀሙ መሪጾም። እቲ ዕላማ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ ሳንቲም ካብ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ከይትጥቀም መስተይ ማይ ኣግማልኩም ግበርዎ ኢሎም።
ኣብይ ኣሕመድ “ኩሉ ሓቕኛ ድሌትናን ናትና ሽግርን ክርዱኡልናን ክተሓባበሩናን ኢና እንደሊ” ኢሉ ምዝራቡ፡ ሽግሩን ድሌቱን ካልእ ክርድኦ ኣብ ፓርላማ ወጺእካ ዘይናትካ መሬት ምድላይን ምፍካርን ምፍርራሕን ዘይኮነስ ብሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ ምርድዳእ ንልዕላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገራት ብምኽባርን ጥራሕ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል።
ቀ.ሚ ኣብይ ዝዛረቦን ዝገብሮን ዘይፈልጥ መራሒ እዩ። ሰሙን ከይገበረ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ካብ ዘለዋ ሃገራት ብድምር ልዕሊ ናይ ኩለን ቁጠባ ሃኒጽናን ቁጠባና ብዕጽፊ ማዕቢሉ እዩ ከምዘይበለ ሕጂ ድማ ወደብን ባሕርን እንተዘይብላ ቁጠባዊ ምዕባሌኣ ከተውሕስ ኣይትኽእልን እያ፡ ብሰንኪ እዚ ህዝብና እንተጠምዩ ዋላ ንነብሱ ክበልዕ እዩ፡ ስለዚ ህዝብና ናብ ካልኦት ሃገራት ክስደድን ከዕለቕልቕን እዩ ወይ ድማ ንኻልኦት ሃገራት ክጎብጥ ክግደድ እዩ ዝብል መፈራርሒ ነጥቢ ኣቐሚጡ። ከም ርዱእ ግን ኢትዮጵያ ኣብቲ ንሳላሳ ዓመታት ወደባት ኤርትራ ጎቢጣ እትጥቀመመሉ ዝነበረት ግዜ ክልተ ግዜ ኣስካሕካሒ ጥምየትን ዓጸቦን ኣጋጢምዋ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣዝዩ ሰፍሕን ልሙዕን መሬትን ፈለግ ኣባይን ካልኦት ዋሓይዝን ዘለዋ ሃገር ህዝባ ስለምንታይ ጠምዩ ይሓድርን ዘይናቱን ዘቓምትን? ጠምዩ ነፍሱ ዝበልዕ እንተድኣ ኮይኑ ሽፋ ይግበረሉ፡ ንኻልኦት ክበልዕን ክወርርን ዋላ ሓደ ዘፍቕደሉ የለን።
ቀ.ሚ ኣብይ ኢትዮጵያ ብሓንቲ ወደብ ጥራሕ እትጥቀም ሃገር ኢያ ፡ እንተድኣ ሓያላት ሃገራት ኣብ ነንሕድሕደን ኣብ ወደብ ጁቡቲ ኩናት ጀሚረን ወይ ድማ ካብ የመን መጥቃዕቲ እንተድኣ ተፈጺሙ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ነዳድን መዳበርያን መድሃኒትን ዋላ ንሓደ መዓልቲ እንተ ኣቃሪጹ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ሽግር ክኣቱ ስለ ዝኾነ ናትና ወደብ የድልየና እዩ ይብል።
ቀዳማይ ነገር ኢትዮጵያ ዋላካ ዝበዝሕ ንብረታ ንምእታው ብጁቡቲ ትጥቀም እንተኾነት እቲ ሓቂ ግን ብሶማል ከንያን ሱዳንን ክትጥቀም ከምዝጸንሐት ርዱእ እዩ። ምስ ኤርትራ እውን ኣገልግሎት ወደብ ንምጅማር ብክልቲኤን ሃገራት ሓፈሻዊ ስምምዕ ተጌሩ ንምጅማሩ ምቅርራባት ይግበር ከምዝነበረ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። ብሓፈሻ ግን ናይ ኩናት ሓደጋ ንጁቡቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዝኮነት ትኹን ሃገር ክመጽእ ይኽእል እዩ፡ የድሕነና ጥራሕ። ብዝኾነ ግን ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ኣማራጽታት ዘለዋ ሃገር እያ።
ኣብይ ብዛዕባ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ዘስደምም እዩ። እዞም ሕጂ ብዛዕባ ኣገዳስነት ወደብ ምስ ተዛረብና ሕጂ ብዙሕ ዘረባ ዘስምዑ ዘለዉ ብዛዕባ ሓይሊ ባሕሪ ክንዛረብ እንከለና ሽዑ youtube ስለዘይነበረ ድዮም ሕጂ ዝዛረቡ ዘለዉ፡ ሓይሊ ባሕሪ ዝመስርትናዮ እኮ ወደብ ስለዘድልየና እዩ ኢሉ።
ብዛዕባ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዋላካ ክንዲ እዚ ናይ ሕጂ ጉዳይ ኣይዘረበሉ ብዙሕ ሰብ ግን ስክፍትኡ ገሊጹ እዩ። ከምርዱእ ግን ዝኾነት ትኹን ሃገር ኣብ ውሽጢ መሬታ ንእትገብሮ ስርሓት ንካልኦት ዝምልከት ስለዘይኮነ ብዙሕ ቆላሕታ ዝተዋህቦ ኣይነበረን። ገለ ሃገራት ወደብ ዘይብለን ሓይሊ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ስለዘለዋ ምስቲ ሽዑ ዝውሃብ ዝነበረ መግለጽታት ኢትዮጵያ ብዙሓት ናይ ንግዲ መራኽብ ስለዘለውኣ ንዓታተን ሓለዋ የድልየን እዩ ይብሃል ስለዝነበረ ሰብ ከም ቅቡል ብቅንዕና ይርእዮ ነይሩ። ሕጂ ግን ዕላማ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ምድማርን ሓይሊ ባሕርን ናይ ተንኮልን ክፍኣትን ምኻኑ ንኹሉ በሪሁሉ ኣሎ።
ስለምንታይ እዩ ቀ.ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብመንገዲ ናይ ኢትዮጵያ ተለቪዥን ሙሁራት ኣዋፊሩ ነቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረሲዕዎን ቀቢጽዎን ዝነበረ ጉዳይ ባሕሪ ነዚ ከባቢ ናብ ኩናት ከምርሕ ዝኽእል ሓደገኛ ጎስጋስ ዘካይድ ዘሎ? ኢትዮጵያውያን ሙሁራት ካብ ናይ ሓሶትን ፈጠራን ታሪኽ ሪሒቆም ልዕላውነት ሃገራት ብምኽባር ሓቐኛ ኩነታት ንህዝቦም ከፍልጥዎ ይግባእ። ብዝተረፈ ዝሓለፈ ሱሳ ዓመታት ዝወረደ ዕንወትን ሞትን ዳግማይ ንከይድገም ናይ ኣብይ ኣሕመድ ዘይሓላፍነታዊ ኣጀንዳ ከሳስዩ ናይ ገበን ገበን እዩ። እቶም ሓቀኛ ታሪኽን ኩነታትን ዝገልጹ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ድማ ክብሪ ንህቦም።
ካልእ ጽውጽዋይ ኣብይ ኣሕመድ ባሕርን ፈለግ ኣባይን እዩ። ወደብን ፈለግ ኣባይን ዘራኽብ ነገራት የብሎምን። ፈለግ ኣባይ ወይ ኒል ብተፈጥሮ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ብሱዳን ኣቢሉ ካብ ምስሪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝፈስስ እዩ። እዚ ፈሳሲ ማይ ድማ ሰለስቲኤን ሃገራት ብርትዓዊ መንገዲ ክጥቀማሉ ሕጊ ዓለም ዘፍቕዶ እዩ። እንተድእ ኢትዮጵያ ነዚ ዋሓዚ ፈጺማ ክቲዓግቶ ወይ ድማ ኣብ ሱዳን ከይደ ግድብ ክሰርሕ እየ ትብል ኮይና ግን ምድፋር ሉዕላውነት ሃገራት እዩ። ብምርዻእ ኣብ ቦቦታኻ ክትጥቀመሉ ግን ርትዓውን ፍትሓውን እዩ። ከም ርዱእ ግን ቅድሚ እዘን ሃገራት ሃገር ምኻነን እዚ ፈለግ ባህርያዊ ጉዕዝኡ ተኸቲሉ ካብ ጥንቲ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝፈስስ ዝነበረ እዩ።
ከምቲ ፈለግ ኣባይ ተፍጥራዊ ውህብቶ ናይ ኢትዮጵያ ዝኮነ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ተፈጥራዊ ትዕድልቲ ሃገረ ኤርትራ እዩ። ስለዚ ድማ ባሕርን ፈለግ ኣባይን መባድልቲ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም፡ ከምዚ እንተኾይኑ የመን በንዚን ስለዘይብላን ኣብ ድኽነት ስለዘላን ናይ ሱዑድያ በንዚን ይግብኣኒ እዩ ክትብል እያ።
ንምኻኑ ስለምንታይ እዩ ቀ.ሚ ኣብይ ሕጂ ዋንነት ባሕሪ ዘልዕሎ ዘሎ? ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኤ ዘሎ ዘይምርግጋእን ቁጠባዊ ቁሉውላውን ዘስዓቦ ናይ ህዝቢ ተቃውሞታት ንምህዳእን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ምኻኑ ርዱእ እዩ።
ግርማይ የማነ
ርያድ

 

Disclaimer

The views and opinions etitled "ውሕልነት ሓሶት መንግስቲ ኢትዮጵያ", are those of the author and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media. ኣብዚ "ውሕልነት ሓሶት መንግስቲ ኢትዮጵያ", ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይቲ ጸሓፊ/ት እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሚዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

4 − two =

Stay Connected

7,413FansLike
635FollowersFollow
19,200SubscribersSubscribe

Latest Articles