ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023
spot_img

HOME:- ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር ኣባል ፓርላማ ኒው ዚላንድ ኮይኑ ተመሪጹ

ኣብ ታሪኽ ኒ- ዚላንድ ኤርትራዊ ንመጀመርታ ግዜ ኣባል ፓርላማ ናይ’ታ ሃገር ኮይኑ ተመሪጹ።

ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር ሓዲሽ ኣባል ፓርላማ ሃገረ ኒው ዚላንድ ኮይኑ ከም ዝተመረጸ ምንጭታት ሰቲት ካብ’ታ ሃገር ሓቢሮም። ኣቶ ኢብራሂም ዑመር ኣባል “ሰልፊ ለበር”(Labour Party) ኮይኑ፥ ብ 17 ጥቅምቲ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ናይ’ታ ሃገር ተመሪጹ። ኣቶ ኢብራሂም ዑመር፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ፡ ኣብ 2008 ኢዩ ካብ ሱዳን ናብ ኒ-ዝላንድ ዝኣተወ።

ኣብ ዩንቨርስቲ ቪክቶሪያ ወሊንግተን ከም ሰራሕተኛ ጽሬት ለይቲ እንዳ ሰረሐ፡ ቀትሪ ድማ ኣብቲ ከጽሪዮ ዝሓደረ ክፍልታት እንዳ ተመሃረ፡ ኣብ 2016 ብ ዓውዲ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ብመዓርግ ባችለርስ (BA) ተመሪቑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ውደባን ምጥባቕን ንጥፈታት ዝሰረሐ ኮይኑ፥ ኣቶ ኢብራሂም ዑመር፡ ኣብ 2019 በቲ ዝሰርሖም ስርሓት ብ ምምሕዳር ከተማ ወሊንግቶን  “Absolutely Positively Wellingtonian Award” ዝቢል ሽምልማት ተሸሊሙ። ኣብ 2020 ድማ ከም ፖለቲካዊ ሕጹይ ኮይኑ ኣብ ውድድር ፓርላማ ንውዝላንድ ተጸንቢሩ። ኣብ መበል 42 ተርታ ናይቲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ተስሊፉ።” ሰልፊ ለበር”(Labour party) ኒው-ዚላንድ እኹል ድምጺ ስለ ዝረኸበ ድማ፡ ኣቶ ኢብራሂም ዑመር ኣባል ፓርላማ ኒውዝላንድ ክኸውን ኣኽኢልዎ ኣሎ።

ወግዓዊ ውጺእት ምርጫ 6 ሕዳር 2020 ከምዝግለጸ ካብ ከተማ ወሊንግተን ርእሲ ከተማ ኒው-ዚላንድ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር።

Related Articles

1 COMMENT

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

19 − 15 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles