Wednesday, February 21, 2024

ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ” ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ” ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። ብመስረት’ታ ማዕከን ሓበሬታ፡ ብሓሙስ ዕለት 24 ነሓሰ ዜጋታት 23 ሃገራት ከምዝኾነ ዝተፈለጡ፡ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ተሳፊሮም ዝነበሩ 272 ስደተኛታት  ከምዝደሓኑ ተሓቢሩ።

ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ 32 ትሕተ-ዕድመ ቆልዑ፡ 9 ህጻናትን 5 ድማ ስንክልና ዘለዎም ከምዝኾኑ እቲ ነቲ ሂይወት ኣድሕን ዘካየደ ትካል ከምዘፍለጠ እታ መርበብ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣብ ጸብጻባ ጠቒሳቶ ኣላ።

ብተመሳሳሊ ብዓርቢ 25 ነሓሰ፡ 166 በታ መርከብ ከምዝደሓኑ ተፈሊጡ። ብድምሩ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ Ocean Viking ዝተባህለት መርከ ሂይወት ኣድሕን ከምዘለዉ ኢዩ እቲ ሓበሬታ ዘብርህ።

እቲ ነዚ ናይ ሂይወት ኣድሕን ዝካይድ ትካል፡ ሰበ-ስልጣን ኢጣሊያ ኣቶም ስደተኛታት ናብ Genoa ኣብ ዝተባህለት ዝርሓቀት ወደባዊት ከተማ ክወርዱ ኣለዎም ስለዝበሉ፡ እታ መርከብ ናብታ ወደባዊት ከተማ ተምርሕ ምህላዋ ኣይሓበኡን።

ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ዓመት፡ 20,13 ሰባት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ክኣትው ክብሉ ከምዝሞቱ ወይ ከምዝጠፈኡን ጸብጻብ ንስደተኛታት ዝከታተል ትካል ወድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። እዚ ኣሃዝ ምስቲ ናይ ምሉእ ዓመት 2022 ዝነበረ 1,417 ኣጸቢቑ ዝዛይድ ኢዩ።

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

4 + four =

Stay Connected

7,417FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles