ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ፖሊስ ትሮንድላግ ሬሳ ናይ ኣማኑኤል ተወልደ ከምዝተረኽበ ሓቢሩ

ትማሊ ሰሉስ 06.10.2020 ፖሊስ ዞባ ትሮንድላግ ኖርወይ፣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሰሜናዊ ምብራቕ ሮቪክ ዝተባህለ ከተማ፣  ዝተረኽበ ሬሳ ናይ ኣማኑኤል ተወልደ ተላ ምዃኑ ሓቢሩ። ፖሎስ ዞባ ትሮንድላግ ብዕለት 2.10.2020 ብዝበጽሖ ሓበሬታ መሰረት እዩ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታ ሬሳ ናይ ኤርትራዊ ዜጋ ኣማኑኤል ተወልደ ክረኽቦ ክኢሉ። 

ፖሊስ ትሮንድላግ ፣ ምስ ሞት ኣማኑኤል ተወልደ  ዝተኣሳሰር ዝኾነ ናይ  ቅትለት ገበን ኣሰር ከምዘይረኸበ ወሲኹ ሓቢሩ። 

ኣብ ዝሓለፈ ከም ዝሓበርናዮ፣  ፖሊስ ትሮንድላግ ድሒሩ ከም ዝበጽሖ ብዕለት 5.0.2020 ፍርቂ ለይትን ፈረቓን ናይ ደገ መቆጻጸሪ ካሜራ ዝቐረጾ ስእሊ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝጠሓለ ሰብ ከም ዝነበረ እንተ ኣረጋገጸ እኳ ብልክዕ መን ምንባሩ ክፈልጥ ግን ኣይከኣለን።  ንኣማኑኤል ተወልደ ድማ እቲ ዝጠሓለ ንሱ ምዃኑ በቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት ብምድምዳም፣ እንተኾነ ድማ ርግጸኛ ብዘይምንባሩ ድማ ከም ዝጠፍአ መዝጊቡ ጉዳዩ ከም ዝዓጸዎ ኣብ እዋኑ ሓቢሩ ኔሩ እዩ።  

ኣማኑኤል ተወልደ ኤርትራዊ ዜጋ ኮይኑ ብዕለት 5 መስከረም 2020 ካብ ገዝኡ ከምዝጠፍአ ዝፍለጥ እዩ። 

ሰቲት ሜድያ ብሞት ናይ ኤርትራዊ ዜጋ ኣማኑኤል ተወልደ ሓዘን እንዳ ተሰምዖ፣ ንስድራቤትን መቕርብን ጽንዓት  ይሃብ ትብል።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

17 − 5 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles