Wednesday, February 21, 2024

እቲ ንሰብ ዘይጠፍኦ

ሓደ ሕብረተሰብ ናይቲ ኣቀዲሙ ተሃኒጹ ዝጸንሖ ኣቃውማ እኩብ ክፍሊ ምስሊ ኢዩ። ድሒሩ ዝመጽእ ሓሳብን ኣራእያን ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣካይዳ ሕብረተሰብ ብምርዓም ክሕወስ ድኣ እምበር ነቲ ሕብረተሰብ ብምቅላስ ክጥምዝዞ ዘሎ ተኽእሎ ከቢድን ሓያል ጻዕርን ነዊሕ ዓመታትን ዝወስድ ሕጽቦ ኣእምሮ ደቂሰባት ኢዩ። እዚ ውን ሓይሊ ሓዊስካ ኢዩ።

እንታይነት ወዲ ሰብ ወይ ኣቃውማ ኣብተን ቀዳሞት ውሑዳት ዓመታት ናይ ህጻንነት ሓደ ሰብ ዝሰርጽ ኣምር ኢዩ። ሓደ ወዲ ሰብ ካብቲ ተወሊዱ ክሳብ’ቲ ንተዘክሮታቱ ኣብ ኣእምሩኡ ናይ ምኽዛን ዓቅሚ ዝሕድር ዕድመ ድኣእምበር ብድሕሪ’ዚ ዕድመ እዚ እንታይነቱ ክገልጽ ዘይጽገም ውሽጣዊ ኣቃውማ ዝውንን ፍጡር ውዲ- ሰብ ምኻኑ ኢዩ።

ሕብረተሰብ ፈላቂ ኢዩ። ብዝተፋላለየ ኣራእያታት ክንጸል ጸኒሑ ከምኡ ውን ክራባሕ ጸኒሑ፡ ከምኡ ዓይነት ኣቃውማን ባህርን ሒዙ ድማ ይቅጽል ኣሎ። እቲ ካልእ ናይ ምግባሩ ይኹን ምቅልባሱ ውጽኢት ግን ብዘገምታ ኣብ ዘመናት ዝርአ ውጽኢት ድኣእምበር ብሓይሊ ወይ ናይ ንዓይ ምሰሉ ባህሪ ምስ ዝሕወሶ መብዛሕትኡ ግዜ ንመዋእል ናብ ናይ ሰባዊ ጸወታዊ ቃርሳ ተቀይሩ’ዩ ዝዕነድ።

ሓደ ተዛራቢ ትግርኛ ትግራዋይ’የ ንዝብል ኣካል:- ነዚ ፍጡር እዚ ኣካል ተዛረብቲ ትግርኛ ኮይኑ ኣብ ሓደ ትግራይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ናይ ሃገረ ኢትዮጵያ ዝነብር ኢትዮጵያዊ መንነት ዘለዎ እነለልየሉ እንታይነት ሰባት ኢዩ።
ሓደ ተዛራቢ ትግርኛ ኤርትራዊ ኢየ ንዝብል ኣካል ድማ:- እዚ ፍጡር እዚ ኣካል ተዛረብቲ ትግርኛ ኮይኑ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ዝነብር ኤርትራዊ መንነት ዘለዎ እነለልየሉ እንታይነት ሰባት ኢዩ።

መንነት እንታይነት ኢዩ። እንታይነት ሰባት ድማ ከምቲ ኣቀድም ኣቢልና ኣብ መእተዊ ዝገለጽናዮ ኢዩ። ብዙሕ እዋን ንእንታይነት ክገልጹ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ዝጥቀሙ ብዙሓት ትተንተንቲ ውን ተዓዚበ ኣለኹ። ንሳሆ – ሳሆታይ ስለ ንብሎ ንትግርኛ ትግረዋይ ክንብል እንተዘይኮይኑ ምርጫ የብልናን ዝዓይነቱ ምጉት! ብምሓዝ ትግረዎት ክብሉ ዝመረጹ። እዚ ምጉት ኣይኮነን። ሓደ ትግርኛ ኣነ ኤርትራዊ ኢየ ብሄረይ ድማ ትግርኛ ኢዩ እንተ ድኣ ኢሉካ፡ ካብቲ ንነብሱ ዘለልየሉ ውሽጣዊ ቅልስ ወጻኢ ከተለልዮ ምፍታን ዕብዳን ገዛእ ነብስኻ ጥራይ ኢዩ። ኣብዚ ግን ምስ ህሉው ኩነታት ሃገሩን ኩነታቱን ዘለዎ ሃዋህው ብምጥቃም ንግዚኡ ማንፕለይት ብምግባር ኣእምሩኡ ክትሓጽሮ ኣይክኣልን ማለት ኣይኮነን። እዚ ኩነት እዚ ግን መፍትሒ ናይቲ ሽግር ዘይኮነስ ሓደጋ ናይቲ ጽባሕ ዝትስእ ኣእምሮ ዘበርኽ ኢዩ።

እቲ ብመሰረቱ ክረአ ዘለዎ ጻዕዳን ቀጠልያን ዓይነት ሕብርታት ከይሓወስካ ውሽጥኻ ከተለሊ ምኽኣል’ዩ እንታይነትካ ንምባል ኢየ። ውሽጥኻ ኣብ ምልላይ ድማ ካልኦት ከተለሊ ኣየጸግምን ኢዩ። እንታይነት ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽኽዎ ብኻልኦት ንዕደሎ ወይ ንምርቀሖን ንምገቦን ኢዩ ። እንታይነት ልክዕ ከም ኣስማትና ኢዩ። ሰስሙ ሒዙ ዝውለድ ፍጡር የለን ። ስምካ ተባሂሉ ተዋሂብዎ ተቀቢልዎ ተሰኪሙ ዝጉዓዝ እምበር ።  እንታይነት ካብ ስም’ዩ ዝጅምር። ትርዕሞ ድኣ እምበር ትፈጥሮ ነገር ኣይኮነን።

ሓደ ሕብተሰብ ኢና ንዝብል:- ሕብረተሰብ ፈላቂ’ዩ ካብ በልና ግን: ሕብረተሰብ ኣብ ዙርያን ቁኖን ተሓጽረ ኣቃውማ ዝሓዘ ኣይኮነን። ሕብረተሰብ ዝተፋላለየ ስምዒታት ዘለዎ ሓደ ሰራዒ ተማጋጋቢ ተኻላኻሊ ኣቃውማ ፈጢሩ ንናይ ህላውነቱ ዕላማ ኣኣብ ክብሩን ባህሉን ተኣሲሩ ቀጻልነቱ ኣብ ምውሓስን ኣብ ምስግጋርን ወለዶታት ዝርአ ጥርኑፍ ህዝቢ ዝገልጽ ኢዩ። እዛ ሎሚ ክትላገጽ’ዳ ናይ ብሓቃ ንሕና ሓደ ኢና ትብል ዘላ ኣካል ኣብ ዓዓዳ ንትግረዎት ብምውጥዋጥ ኢያ ተላልዮም። ትግራወይቲ ኮይና ነብሳ እከተለሊ ዘይኮነትስ ትግሮዎት ብምኻኖም ጥራይ’ዩ ከተለልዮም ዓቅሚ ዘለዋ። ኣብዚ እንታይነት ኣሎ። ነዚ ብኸመይ ክትገልጾ ደሊኻ ኣለኻ ንዓኻ ንኣንባቢ ይምልከት።

ንኣቦታት ኣቦሓጎታትና ዓያሹ ኢዮም ኔሮም ኢሉ ልቢ ዘዕበየ መንፈስ ኣሎኒ ብምባል ከምዚ ክገብሩ ኣይነበሮምን ዝብል ካልእ ከማራቅሕ ዝኽእል ሓሳብ ምስ ዝህልወካ ናብቲ ኣነ ትግራዋይ ኢየ ዝብል ሓድሽ መንጸፍ ዘይኮነስ ኣብቲ ኣሕዋት እንዲና ዝብል ጽቡቅ ንኹሉ ዝሕውስ ዕርዲ ምዕራድ ውን ኣይምተጸልአን። እንታይነት ውሽጣዊ ብርሃን ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ኢዩ። ኣብዚ ብርሃን እዚ ላግጺ የለን። ኣብቲ ናይ ሓባራዊ ብርሃን ብምልጋጽ ተጥፍኣ ሽምዓ ውልቅኻ ድኣ እምበር ተጽፍኦ ብርሃን ካልኦት ብዙሓት የለን። ከተጉህዮምን ከተዛርቦምን ግን ግድን ኢዩ።

ትግራይ ከባቢ ኢዩ። ንትግረዎት ንስርዓታት ኣቃውማታቶም ዘይኮነስ ኣብቲ ቦታ ከም ዝነብሩ ዝሕብር ስም ቦታን ዓድን ኢዩ ። ትግረዎት ምኻኖም ንሕብረሉ ስፍራን ስፍርኦምን ኢዩ። እንታይነቶም ግን ነቲ ኣብዚ ሳልስቲ ዝብልዎ ዘለዉ ገዲፍካ እንታይነቶም ኢትዮፕያውያን ኢዮም። እዚ’ዩ እንታይነቶም። እሱ’ዩ እቲ ዝተቃለስሉ ናይ ምንባር ዕላምኦምን ቃልሶምን እንታይነት። ምስ ኩነታቶም ሓድሽ ንሃንጾ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ካልእ ንኣባህላታት ሕብረተ ሰብ ኣብ ፖለቲካዊ ሓሳብ ሓዊሶም ክሸጥዎ ዝፍትኑ ኣብ ምርኣይ ውን ኣሎ።

ካብ ዓጋመ ዘይውለድስ ኣይጭዋን

ብመሰረቱ እቲ ኣባህላ ጭውነት በሃሊኡ ዝገልጽ ድኣ እምበር ጭውነት ካልኦት ዘኮማስዕ ዝብገስ ሓሳብ ኣይኮነን። ይቅረታ ነቲ ብኻልእ ዝፈለጦ!! ንሓደ ሕብረተሰብን ኣባህላታቱ ምርድእ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ኣብህላ እዚ ንሕና ኩልና ትግረዎት ኢና ክጥቀመሉ ዝፍትን ኣካል ማእለያ የብሉ። ትግራውነት ዘርኢ ኣይኮነን። ትግራይ ከባቢ ኢዩ። ከድካ ዝርአ ዝብጻሕ። ዝጭበጥ። ናትና ዝብሉ ኣካላትን ዶብን ዋሕስን ሕግን ዘለዎ ከባቢታት ኢዩ።

ኣብ ሕብብተ-ሰብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ከበሳ እዚ ኣባህላ እዚ ጉኑን ኣባህላ ኢዩ ። ካብ ዓጋመ ዘይ ውለድ ኣይጭዋን ። እቲ ኣባህላ ሃንደበት ወይ ኣብ ተረካብ ዘረባ ዝሞሉቅ ቃል ኣይኮነን። እቲ ኣባህላ ስርዓት ዝሓለወን ኣብ ዘገድስ ክፋል ናይ ሓደ ተማሳሳሊ ሓሳብን ክሞሉቅ ዝርአ ኣባህላ ኢዩ ። ናይ ኢንተግሪቲ ቃና ኢዩ።

ንምስፍሑ:- ከም ንፈልጦ ኣብቲ እዋን’ቲ ብዙሓት ትግረዎት ናብ ኤርትራ ብምምጻእ ማሕበራዊ ሂወት ክፈጥሩ ዝረኣይሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። እቲ ሕብተተሰብ ከከም ከባቢኡን ዓዳዊ ሕጉን የታኣናግዶም እኮ እንተነበረ፡ ዝያዳ ንምንባሮምን ቀጻልነቶምን ዘውሕስ ሓቃፊ ሓሳብን ድምጽን ብምሃብ ድማ ኣብ ኩሉ ብተማሳሳሊ ቃና ዝያዳ ውሕስነት ክፈጥሩ ዘኽእል ቃል ብምምጋብ’ዩ ኣካሉ ክገብሮም ክኢሉን ጌርዎምን ኢዩ ። ዘይዓጋመስ ኣይጭዋን።

እቲ ኣባህላ ንትግረዎት ተነጽሎ ከይስምዖም ዝያዳ ከጣጥሑ እንተግሪቲ ናይቶም ሰባት ከውሕስ ተባሂሉ ዝደጋገም ሓሳባዊ ኣባህላ ኢዩ። እዚ ሓሳብ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ዘይስነምግበራዊ ዓሌታዊ ኣባህላ ክስማዕ ከሎ ዝስማዕ ኮይኑ ኣፋዊ ዋሕስን ድምጽን ኮይኑ ከይንጸሉ ዝሓቁፍ ኢዩ። ካብ ዓጋመ ዘይውለድ ኣይጭዋን ብምባል ድማ ልቢ ጉዱእን ጎዳእን ከቅንዕ ካብ ሓደ ጭዋ ህዝቢ ዝስማዕ ኣልያ ድኣ እምበር ኩልና ትግረዎት ኢና ዝብል ድምጽን ቃናን ዝሓዘ ቃል ኣይኮነን። ጽሑፈይ ካብ ትግረዎት ዝውለድ የለን ውን ኣየስምዕን ። ጽሑፈይ ንኣባህላን ኣጣቃቅማን እቲ ሓሳብ ንምብራህ ዝዓለመ ጥራይ ኢዩ ።

ንምጥቅላል:- ሽግርና ብቀሊልን ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ዘይምዕማሙ ንመሰረታዊ መበገሲ እቲ ሽግር ኣረሲዑ’ዩ ኣብ ካልእ ተወሳኺ ሃለፍታ ወሲዱና ዘሎ። ብዝኾነ ኣብ ዝኸድናዮ በበጺሕና ክሳብ ንምለስ ምግርጫውና ኣይክተርፍን ኢዩ። ብተኻእለ ግን ነቲ ሎሚ ፈጢርናዮ ዘለና ርሕቀት ዘይኮነስ ብውሕዱ ነቲ ዝነበረና ውህደትን ብምልላይ ንሽግርና ካብቲ ዝፈጠሮ ሓደንሽግርና ክንፈትሖ መታን ናብ መባእታዊ ናይቲ ጎዲልና ንብሎ መሰረታዊ ቅልስን ዋሕስን ሕብረተሰብና ዝኾነ ሕቶ ሕግን ፍትሕን ንመለስ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

fourteen − seven =

Stay Connected

7,416FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles