Tuesday, February 20, 2024

ሃገራዊ ዳሳትን ብዋጋ ህዝቢ ክኸስቡ ዝህንደዱ ናይ ፖለቲካ ነጋዶን

  መእተዊ

ሃየ እሞ! ከመይ ቀኒኹም/ቀኒኽን? ቅድሚ ብዛዕባ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣርእስቲ ገለ ምባለይ፡ ሓደ ከብርሆ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ። እዚ ናይ ሎሚ ይኹን ናይ ዝሓለፈ ጽሑፍ ወይ ድማ ብሕጂ ዝጸሓፋ፡ ናተይ ናይ ውልቀይ እምበር ናይ ዝኾነ ትካል፥ ብሕልፊ ከኣ ናይ ሰቲት ኣይኮነን።  ብኣይ ዝተጻሕፈ ፡  “ኤርትራውነት ንምስዓር፡ ኤርትራውያን ምጽላም” ኣብ ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ምድንጋርን ዘይተደልየ ምስልን ፈጢሩ ኔሩ። ሓላፍነት ናይ’ቲ ጽሑፍ ንሰቲት ከሰክሙ ካብ ፍረስ ንላዕሊ ዝጋለቡን ብ ኩርማጅ ጸርፊ ን ሰቲት ዝተሳሃሉ ውን ኣይተሳእኑን። ካብኡ ሓሊፎም፡ ብርዒ ስም እዩ ብምባል፡ ምስ ትብዓት ብምትእስሳር፡ ን ኣንነተይ (Ego) ክቅስቅሱ ዝፈተኑ ውን ኔሮም ኢዮም።  ኣነ ይኹን ካልኦት ሰባት፡ እንተ ደልዮም ብብርዒ ስም፡ እንተ ደልዮም ድማ ብምሉእ ስሞም ወይ ድማ ብስም ዝደለይዎ እንስሳ ክጽሕፉ መሰል ከምዘለዎም ከስምረሉ እደሊ። ዘገድስ እቲ ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ትሕዝትኡ ብጭብጢ ዝተደገፈ ምንባሩ ዘይምንባሩን እምበር፡ መን ጽሕፍዎ ወይ ድማ ንምንታይ ብብርዒ ስም ተጻሕፉ ዝብል ክኸውን ኣይነበሮን። ኣጅቦ ዝብል ሽም ሰብ ሰሚዒኩም ኣይትፈልጡን? ወይ ድማ ኣጅቦ ጥዒምኩም ኣይትፈልጡን ድኹም? “እንዲያሞ” ይብሉ ጥሊያን፡  እንዲያሞ’ሞ ናብቲ ናይ ሎሚ ዛዕባና ሰሚዐልኩም ኣለኹ፦

  ተርእዮታት ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት

 ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ መስርዕ ደምበ ተቃውሞ ክፍንተቱ ተዓዚበ ኣለኹ። እቶም ዝተረፉ ግን ኣይግድን! ብዙሕ ግዜ ነስተብህለሎም እቶም ውሑዳትን ብዙሕ ዋጭ ዋጭ ዝብሉን ጥራይ ኢዮም። ኣብዝሓ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምዘድሊ ኣሚኖም፡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ካብ ዝነበሩ ግን ዓው ዓው ከይበሉ፡ ምዝሕቕ ምዝሕቕ ኢሎም ካብ ድንበ “ተቃውሞ” ነብሶም ኣግሊሎም  ኣለው። ካብ ደንበ ተቃውሞ ፈውሲ ማሕላ እኳ፡ “ናበይ ከይዶም” ኢሉ ዝሓትት የልቦን። ሃሙን ቀልቡን ምስቶም ዶርጓ ዶርጓዕ ዝብሉ ዉሑዳት ኢዩ ጸኒሑ። ዳስ ደንበ “ተቃውሞ” ፡ ህዝቢ  ራሕርሕዎ ከምዝጸመዎ እኳ ክሳዕ ሕጂ ዝተገንዘበ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ዘሕዝን ደምበ ተቃውሞ፡ ምንቕስቃሳቶምን ትካላት ዜናታቶም ብመቃልሕ ድምጾምን ጽላሎት ነብሶምን ይደዓዓሱ ምህላዎም ኢዩ።

ቅድሚ “ያኣክል” ዝብል ዘይቅርጥውን ኣንፈቱ ዝሳሓተን ኣወዳድባ ምምጽኡ፡ “ተቃውሞ” ነይሩ። እቲ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ዝነበረ ደንበ፥ ኣብ ኣገባብ ቃልሲ ይፈላለ እምበር፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ብጉስጢ መን ቐዲሙ ዘረረ ውድድር ኣይነበረን። ኣብ’ዚ ውድድር መን ካብ መን እዩ እሞ ክሓምቕ። ርሱን ክትዕ ግን ነይሩ። ሃገራውያን በዓላት ዝበሃሉ ከም መዓልቲ ናጽንት፡ መዓልቲ ሰማእታትን ካልኦትን ይኽበሩን ይጽንበሉን ነይሮም ውን። ሎሚ፡ ኣብ ደንበ “ተቃውሞ”  ሽታ ማይ ኮይኖም ጥራይ ዘይኮኑ፡ ዘርከበ  ረዚን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ መዓልቲ  ናጽነት ኣብ ምንእኣስን ምድዋንን ተጽሚዱ ይርከብ። ኣበይ ትምደብ?  ካብቶም መዓልቲ ናጽነት ክኽበር ኣለዎ ዝብሉ ድኻ ወላ ካብቶም ኽክበር የብሉን ዝብሉ?  ኣብ ዝብል ዛዕባ ወዲቁ ይርከብ እዚ ደምበ ተቃውሞ። መስደመም ‘ኮ ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ብስንኪ ዝተወስዱ ፖለቲካዊ ሓርያትትን ፕሮፖጋንዳን፡ እቶም ኢሳይያስ ን ኤርትራ ናብ ኢትዮጲያ ክሸጣ እዩ ዝብል እምነት ሓዲርዎም  ናብ ደምብ “ተቃውሞ” ዝተጸንበሩ፡ ድሒሩ ብዝተኸስተ ሓቅታት፡ ንደምበ ተቃውሞ ጠንጢኖም ክዕዘሩ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ብሕጽር ዝበለ “ስማዊያን ተቃውምቲ” እዩም። ቅድሚ ራሕሪሖሞ ንደምበ ተቃውሞ ምኻዶም ፥ ነቲ ደምበ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓይሊ ከምዘለዎ ኣምስሎሞ ኢዮም።  እቶም ክሳብ ሕጂ ዘለዉ ከኣ፡ እቶም ዝበዝሑ ኣብ  ትግራይ ትስዕር ደንበ ክርከቡ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ውሑዳት ድማ፡ ናይ መትከል ደለይቲ ለውጢ ኮይኖም ዝቀጸሉ ኢዮም።  እቶም ዝተረፉ “ትግራይ ትስዕር” ምስቶም ኣብ ደንበ ተዋውሞ ንነውሕ እዋን ዝጸንሑ ግን መትከሎም ቅድሚ 2018 ዓ.ም “ኢትዮጲያ መቃለሲ ባይታና” ኢሎም ዝኣምኑ ዝነበሩ፡ ጸኒሖም ግን ብ ጋህዲ “ትግራይ ትስዕር” ዝኾኑ፡ ተደሚሮም (ከምዛ ኣናይ ኣቢ መደመር) ነዚ ኣንጻር ምጽንባል መዓልቲ ናጽነት ተዓጢቆም ይርከቡ። እዚኦም  ቀዳሞት ናይ  ፖለቲካ ነጋዶ ኢዮም። እንታይ ዓይነት ናይ ፖለቲካ መኽሰብ ክረኽቡ ዓሊምም ከምዘለዉ፥ ካብቲ ቆይሞምሉ ዘለዉ መትክል “ትግራይ ትስዕር” ምርድኡ ኣይጸግምን። 

 ኣብዚ ከልዕሎ ዝደሊ ሕቶ፡ እቶም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ክቃወሙ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዳሳት ፈስትቫላትን ብማሕበረ-ኮም ናይ’ቲ መንግስትን ኣብዝተዳለዋ ዳሳት ምኻዶም ንመን ኣርቢሑ ንመን ኣኽሲሩ ዝብል ኢዩ። እዞም ዜጋታት ናብኡ ምኻዶም ከ መን ኢዩ ዝሕተት? ነዞም ዜጋታት ብክድዓት ምኽሳስ ከ ምስ ምንታይ ኢዩ ዝቑጸር? ንምዃኑ ንመን ኢዮም ከዲዖም?

ከም ርእይቶይ፡ በዚ ተርእዮ ክልተ ዝኸሰቡ ወገናት ኣለው፡ ንሳቶም ድማ ብዓብዩ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን። ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ከሲቡ ናብ ዝብል ክምለስ ኢየ።  ኣቀዲመ ግን ህግደፍ ብኸመይ ከም ዝኸሰበን፡ ነቲ ተርእዮታት  ብከመይ ናብ መኽሰብ ይልውጦ ከምዘሎን ከብርህ።

ድሕሪ ህውሓት ኣብ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ምብርካኽን ምምራኽን (ኣነ ዝብሎ ኣይኮነን፡ ባዕላቶም እቶም ደገፍቲ ህውሓት ውን ዝተኣመንሉ ሓቂ ኢዩ።) ተቃውሞ ውን ተሳዒሩ ኢዩ ዝብል መንፈስ ኣብ ህግደፍ ሓዲሩ ኣሎ። ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደገፍቲ፡ “ነቶም ናባኹም ዝመጹ ኣይትድሃልዎም፡ ተቐበልዎም፡ ፍሉጣት እንተኾይኖም መድረኽ እውን ሃብዎም” እንዳ በለ ወይ መድረኽ ንክረኽቡ ባይታ እንዳጣጠሐ፡ ህልውና ደምበ ተቃውሞ ከምዘብቐዐ ኣምሲሉ የቕርቦ ኣሎ። ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ’ውን ካብቲ ንኣብ ደገ ዘለዉ ዝብሎ ዘይተፈልየ፡ እቶም ዝቃወሙ ዝነበሩ ምስ መንግስቶም ይዕረቁ ኣለዉ፡ ሕጂ ክሉ ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ዜጋ ናብ ልምዓታዊ ወፍሪ ብሓባር ክወፍር ኢዩ ዘስምዕ፡ ተስፋታት ይህቦ ኣሎ። በዚ ድማ ህግደፍ ምስሊ ናይ’ቲ ውድብ ንምሕዳስ ይኸስበሉን ብዋጋ ሃገራዊ ዳሳ መኽሰባት ከኻዕቢት ይህንደድን ኣሎ። 

 ህዝቢ ኤርትራ ኸ ብኸመይ ይኸስብ? ኣብዚ ደምበ ተቃውሞ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ናብ ሓደጋ ዝውስድ መንገዲ ሒዞም ዝጸነሑ፡ ውዳቤታትን ውልቀሳባትን፡ መቸም ኣብዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዕርቃኖም ወጺኦም ኢዮም። ምቕዋም ክበሃል ከሎ፡ ንክብርታትን ታሪኽን ኤርታውያንን ኤርትራ ምጽያን፡ ማሕበራዊ መሸከል ምህዋኽ ወይ ምፍራስ ዘምሰሉ፡ ሕሉፍ ሓልፍዎም ድማ፡ ወከልቲ ወያነ ኮይኖም ኣጀንዳ ወያነ ዘተግብሩ ብዙሓት ኔሮም። እዚ ጥምዙዝ (skewed) ፖለቲካዊ ክውንነት ኣብ ውልቀ-ሰባትን ውድባትን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ትካላት መራኸቢታት ውን ጸኒሑ ኢዩ። ብሰንኪ እዚ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዝጸነሐ ግስርጥና ድማ፡ ህዝቦምን ሃገሮም የሕልፎም ክሂቡ ዘይደለዩ፡ ንፈስቲቫል ይኹን መዓልቲ ናጽነት ከኽብሩ ዝደልዩ ናብ’ቲ ብማሕበረ-ኮማት ህግደፍ ኣብ ዝተዳለዉ ሃገራዊ ዳሳት ምኻዶም ብዙሕ ነገር ኣነጽሩ ኢዩ። እቶም ጸረ ኤርትራውያንን ኤርትራውነት ኣጀንዳ ዘለዎም፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብ ዳሳት መዓልቲ ናጽነትን ፌስቲቫልን ዝከዱ ዝተገብረ ጸርፍን ጸለመን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክርዳድ ካብ ስርናይ ክፈልዮ ሓግዝዎ ኢዩ። በዚ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ መን ኢዩ ሓቀኛ ኣብ ኤርትራ ናይ ምሕደራን ፖሊስን ለውጢ ደሊዩ ይቃለስ ኣሎ፡ መን ኢዩ ኸ ጸረ ኤርትራን ኤርትራውነት ይቃለስ ኣሎ ክፈልጥ ሓግዝዎ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ኢየ፡ ከም መኽሰብ ዝቆጽሮ ዘለኹ። ብውሑዱ መን ንኤርትራ ይቃለስ ኣሎ፡ መን ከ ጸረ ኤርትራ ይቃለስ ኣሎ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና።

መደምደምታ

ሕጂ ተሪፉና ዘሎ ድማ፡ መን ናብ ኣየናይ ዳስ ይኸይድ ብዘየገድስ፡ ነቲ ምኻድ ዝወሃቦ ትርጉምን ብኡ ኣብልካ ክሕፈስ ዝድለ መኽሰብ ምፍላጥ ኢዩ። ከም ዜጋታት፡ ከም መዓልቲ ናጽነት፡ መዓልቲ ሰማእታትን ምጅማር ብረታዊ ቃልስን ምጽንባልን ምዝካርን ግቡእና ኢዩ። ኣርካናት ናይ ቃልሲ ምዝካርን ምኽባርን ውን ሓላፍነትና ኢዩ። ይኹን እምበር ነዚ ኣሳቢብካ ብህግደፍ ይኹን ብትሕተ ሃገራዊ  ዝንባሌታት ዝተቆማጠዑ ዝመጽእ ምስሉይነትን ጸለመን፡ ካብቲ ናይ ቃልሲ መንገዲና ከየስሕተና ምስትውዓል ኢዩ።

ህግደፍ፡ እዞም ብሃገራውነቶም ዝሕበኑ ዝወስድዎ ስጉምታት ናብ ረብሓኡ ንምልዋጥ፡ እነሆ ተቃውሞ ዝበሃል የለን፡ እቶም ተታሊሎም ዝነበሩ ይምለሱ ኣለው ወዘተ እንዳ በለ፡ ዘየለ ምስሊ ከይፈጥር፡ እቶም ኣንጻር ኤርትራውነት ንኤርትራውነት ንምጽላም ድሕር ዘይብሉ ድማ፡ ክንዮ’ቲ ኣብዝሓለፈ ውሑድ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ዘውረድዎ ሓደጋ ንላዕሊ፡ ሓደጋ ከይየውርዱ ክንጥቀቕን ኣለና።

  ፈስቲቫል ኤርትራ ይኹን መዓልቲ ናጽነት ድማ ዳሳት ናይ ህግደፍን ደገፍቱን ዘይኮኑስ ናይ ክሉ ኤርትራዊ ምዃኖም ክንግንዘብ ኣለና። ብመሰረቱ ውን ዳስ ህግደፍ ዝበሃል፡ በቶም ጸረ ኤርትራውነት ብዝኾኑ ዝተሰነዐ እምበር፡ ካብ ክውንነት ዝርሓቐ ምዃኑ ምርድእ ኣገዳሲ ኢዩ። ነቲ ናብ ሃገራዊ ዳሳት ዝከይድ ኤርትራዊ ድማ “ምቕዋም ገዲፉ” ኢልካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፍትሕን ደሞክራስን ምቑማት ክቕብጽ ምፍታን ውን፡ ቀልል ዘይኮነ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ምርዳእ የድሊ።

እቶም ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ናብ ሃገራዊ ዳሳት ምኻዶም ከም ከድዓት ቆጽሮም፡ ብምኽንያት ሃገራዊ በዓላት ዝግበር ጓይላ ይኹን ድግሳት ድማ ዝውግዙ፡ እነሆ ሎሚ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ስማእታትና እንዝክረላ ረዛን ወርሒ፡ ጓይላ ድግስን ይገብሩ ኣለው። እዚ ንባዕሉ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ክንደይ ርሕቀት ክኸዱ ከምዝኽእሉ ዘረድእ ኢዩ። 

ኣብታ በሪ ሃገራዊ ናጽነት ዘርሓወት ወርሒ ግንቦት፡ ንጽንብል ናጽነት ዝወገዘ፡ ኣብ’ታ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነትን ምውሓስ ልዑላውነትን ዝሓለፎ ጀጋኑ ደቁ ዝዝክረላ ወርሒ፡ ጓላን ድግስን ምግባር፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣንጻር ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ክግበር ዝጸነሐን ዘሎን ወፍሪ ኢዩ። ንምዃኑ እዞም ብስም ይኣክል ዝንቀሳቀሱ 

 ቅንጮ ካብ መዓስ ኢዮም፡ ነቲ ዓመታዊ ኣኺቦኦም ኣብ ወርሒ ሰነ ዝገብርዎ? ክሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዶ ኣይኮነን ኔሩ? እዛ ሕቶ ናባኹም ብምባል፡ ክሰናበተኩም። ቻው…..

 ኣጅቦ 

 

Related Articles

1 COMMENT

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

4 × 4 =

Stay Connected

7,418FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles