Wednesday, February 21, 2024

ኤርትራውነት ንምስዓር፡ ንኤርትራውያን ምጽላም

ትካል ኤርሳት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 3 ዓመታት ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸና ዜና እንዳ በሉ ዘቅርብዎ ዝተፈብረኹ ዜናን ባዕላዊ ትንታነን ማእለያ የብሎምን። እቲ ብዕምቆትን ብቐረባን ሜዲያትታ “ተቃውሞ” ንዝከታተል፡ እዚ መዓልታዊ ስራሕ ናይ ኤሪሳት ሙዃኑ’ኳ ዝፈልጥ እንተ ኾነ፡ ነቲ ርሕቅ ኢሉ ዝከታተል ከደናግርን ክስደምምን ይኽእል እዩ። ሎሚ ብሰንሰለታዊ መሳልል ነቶም ሓሶት ክዝርዝር ዘይኮንኩስ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ፈጻሚ ጉዳያት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኤትዮጲያ ዝኾነ፡ ኣቶ ቢኒያም በርሀ፡ ዝገበረቶ ኣነዋሪ ን ዘስደምምን ጸለመ እየ ክዛረበሉ። ነቲ ሓሶታትን ጽውጽዋታትን ካልእ መዓልቲ ይኹነልና።

ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት ፡ ኣቶ ሄኖክ ተክለ (ብጫ) ምስ ፍሹል ሜድያን መሰልቶምን መጥዕቃቲ ኣብ ልዕሊ ቢንያም በርሀ ዕላምኡን እንታይ’ዩ?

አብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት “ትግራይ ትዕወት፡ ቪቫ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ብሬጊድ ንሓመዱ ስዒሩ” ይበሃል ነሩ ኣብ ኤሪሳትን ካልኦት ሜድያታትን። ሄኖክ ብጫ ድማ ደጋጊሞም ከምኡ ካብ ዝበሉ ኢዩ ኔሩ። ከምቲ ዝተዓዘብናዮ ድማ ’ታ ዝደልያ ትግራይ ኣይተዓወተትን፡ እቲ ብርጌድ ንሓመዱ ድማ ገለን ኣብ ማእሰርቲ፡ ገለን ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም። እንተ ሄኖክ ብጫ መሰልቱን ግን ከምቲ ኣመል ምስ መግነዝ ዝበሃል፡ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይንካ ሓሶት ምዝርጋሕ ጸለመን ይቕጽልሉ ኣለው። ናይ’ዚ መርኣይ ድማ እነሆ ንዲፕሎማት ቢንያም በርሀ ክናኣእስ ክሕሱ ተራእዩ። ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ አንጽፉለይ በለ ዝብል ምስላ ድማ የዘኻኽረካ።

በዓል ሄኖክ፡ ቢንያም በርሀ ፈጻሚ ጉዳያት ኤርትራ አብ ሕብረት አፍሪቃ፡ ኣቃልቦ ብዙሓት ዝሳሓበ ዕዉት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምውዳቡ ተቆጢዖም ነቲ ቀጻሊ ዓመት ዓመት ንዝሰርሕሉ፡ ፍሹል ዕላማ ምውዳቕ ኤርትራውነትን ኤርትራን ትንፋስ ንምስኳዕ፡ ናይ ሓሶት ዘመተን ውዲትን ኣብ ልዕሊ ብሃገራውነቶም ዝንየቱ ኤርትራውያን ይቕጽሉ አሎ። ነቶም ዝታኣከቡ ኤርትራውያን ጽምብል ናጽነት ሃገሮም ዘብዕሉ ብኣሻሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን፡ ኣምሰሉታት ኢሉ ክዝልፎም፡ ነቲ ህዝቢ ሓርነት ከጎናጽፈካ ኢየ ኣብ ሚድያ ዘለኹ ዝብል መትካል ዝጻረርን ስነ ምግባር ሚዴያ ኣብ ባይታ ዘውደቅን እዩ።

ዒሉስ ኣብ ዘይፈልጥዋ ዓዲ ከይዱ ንጉስ ኢየ ኔረ በለ ይበሃል። ወርጽጽና ተባሂሉስ ያኢ ከሎ ገና ትልማ ዝተቃለዐ ተዋስኦ ከዓዪ ኢዩ ዝፍትን ዘሎ ሄኖክ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ብጫ እቶም ብኣውራጃውነት ዝተቆማጠዑ፡ ብጸቢብነት ዝምርሑ ኣብ ሚዴያ ከምጻኣሉ ዝፈተነ፡ ዘጋጥሞ ተቃውሞ፡ሓደ ካብቶም ብዙሓት ጸረ ኤርትራን ኤርትራውነት ዝኾነ መደባት ሙዃኑ፡ህዝቢ ዝመስከረሉ ኣጋጣሚ እዩ። ዘስሕቅ ኢዩ። እታ ብዛዕባ ቢንያም ዝተገብረት ሕስርቲ ትንተና ትምስክሮ ነገር እንተሎ ድማ፡ ሄኖክ ብጫን ዮናስ ሓጎስን ውትሩ ዝገብርዋ ናይ ዓያሹ ስትራተጂ ደርሆ ፊሒራ ትረኽቦ ናይ ዕንክሊል ኣጀንዳ ምዃኑ ኢዩ።

ትካል ኤሪሳት ፡ ብኣካይዲ’ኣ ኣቢላ፡ መዓልታዊ ትገብሮ ነገር ተልዩ፡ መድባት ብቁጽሪ ምስራዕን ብኡ ኣቢልካ ካኣ በጽሕቲ ዩቱብ ኤርሳት ቁጸሪ ምቁጻርን ኣብ ፋይስቡክ ዝርከብ ላይክን ሸይር ምቁጻር ተዘይ ኮይኑ፡ ኣጀንዳ ሰሪዕካ፡ ህዝቢ ብዕምቆት ንክርድኡ ክሳብ ሕጂ ሓንቲ መደብ’ውን ሰሪሓ ኣይትፈልጥን። ነዚ ህያው ዝኸውን ኣብነት፡ እልፊ እኳ ተኮኑ፡ ገለ ቁሩብ ወስ ከብል።

ቅድሚ ሕጂ ንዳኒኤል ተኽላይ ነምጻዮ፡ ሕጂ ድማ ንናስር ንምጻዮ ክነናእሶምን ክነዋረዶምን፡ ዝነበረት ተዋስኦ፥ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እያ። ሕጂ ድማ ንሶሎሙን ገብረየሱስ ነምጽኦ፡ ዘይጠቅም ሕቶታት ሓቲትና፡ እቶም ዝሕተቱ ሕቶታት ካኣ ነቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ዘቆናጽብን ዘንኣእስን ዕድል ዝህብ ይኸውን ወዘተ እንዳ ተባህለ ዝስራሕ ድራማ ኢዮም ዝ ዓሙ። ኣብ ጉዳይ ቢኒያም በርሀ ምስ በጽሐት ካኣ ካልእ ቅርጺ ሒዛ፡ ንሓሶት ንምእማን ክጥዕም ድማ፡ ምቅይያር ናይ ታራ “change in role play” ተጌሩላ ። ንዕላም ደረስትን ተዋሳእትን ናይ’ዛ ድራማ ርእኻ ድማ፡ እንቋዕ ድማ ቢንያም መን ምዃኑ ንፈልጦ ብዙሓት ኣለና ትብል።
ኣብዚ ቅንያት ናጽነት ካኣ፡ ጸረ ኤርትራውያን ዝኾነ ዮናስ ሃብተስላሴ፡ ን ጉጅለ ህውሓት ብኩሉ ናይ ፖለቲካ ደገፍ ምሃብ ዝፍለጥን፡ በረከት ካሕሳይን፡ ቃለ ምሓተት ክግበረሎም ዝተደልየ ምኽንያት፡ እንባቢ፡ ዕልማኡ ኣይስሕቶን እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።

ብንያም በርሀ ብ1998 ወያነ አብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ቕድሚ ምእዋጃ፡ ካብ’ቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብማህደረ-ትምህርቲ፤ ዝመሃሩ ዝነብሩ ተመሃሮ ሓደ ኮይኑ፤ ምስቶም ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ዜጋታት ድማ ሓደ ኢዩ ኔሩ። ብድሕሪ’ዚ ድማ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ በጽሑ ዘሎ፡ ካብቶም ኣብ ናይ ጽባሕ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ተስፋ ዝንበሮሎም ንኡስ ዲፕሎማት ሓደ ኢዩ።

ቢንያም ንምንታይ ታርጌት ይኸውን ኣሎ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን። ሄኖክ ብጫን ኤረ-ሳትን ሓሶት ምስ ህውሓት እንጄራ ዝብልዕሉ ናይ ልፍንቲ ዕዮኦም ግዲ ኾይኑ፤ ልክዕ ከም “yellow tabloid” ዘሎን ዘየለን ትንተናን ሓሶትን፤ ንኤርትራውያንን ንኤርትራ ዝድግፍን ምጽላምን ምኽፋእን ስራሕና ኢሎም ተታሓሕዞሞ አለው።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ንወራር ወያነ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፤ ሕሉፍ ሓሊፋ ድማ ንልኣላውነት ብምድፋር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ሮኬታት ደብዳብ ክግበር ከሎ፤ ምሉእ ድጋፍ ንህውሓት ካብ ምሃብ ሓሊፎም ንኤርትራ ከም ወራሪት፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ከም ሰረቅቲ፡ ዓመጽቲን ጠቂኖም። ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራን፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ምጽናት ዓሌት ፈጽሞም፣ መሬት ትግራይ ወሪሮም ኢሎም ብምኽሳስ ድማ፡ ኣንጻር ኤርትራን ኤርትራዊ መንነትን ዘይበልዎን ዘይጻሕተርዎን ውዲት አይነበረን።

ወፍሪ ኣካየድቲ ሜድያ ኣንጻር ኤርትራን ኤርትራውነትን

ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸና ዜና እንዳ በሉ ብምትላል፣ “fake news” ልዕሊ’ቲ ናይ ኣሰና ሓሶት ወረታት ብዘይሕፍረት ክግዕሩ’ውን ዓመታት ኣቚጺሮም ኣለው። ምንጭታትና ካብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ “ብ ኩናት ሱዳን፡ መንግስቲ ኤርትራ ተሻቂሉ፡ ኣብ ኤትዮጲያ ብዘጋጠመ፡ መንግስቲ ኤርትራ ተሻቂሉ” ዝብል ተዘይ ኮይኑ፡ንህዝቢ ክርብሕ ዝክእል ዝኮነ ጭቡጥ ዜና ኣይተክበሉን። ዝተፈብረከ ዜና ሙካኑ’ውን ይበርሀልካ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሰዉእ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ዝዓረፈሉ ውን “እዚ ሓርበኛ ዘይኮነ ናይ ታሪኽ ሓተላ ዝብል ኣብቲ መቃብሩ ክጽሓፍ ኣለዎ” ብምባል ኣብ ገጻት ፍዩስቡካ ብጃህራ ቶግባዕብዕ ዝነበረት ሳባ ሓልፊት ናይ ኤረሳት ውን ሓንቲ ካብቶም ጥሙሕ ስልጣና ንምርዋይ፤ አብ እንግደዓ ወያነ ተወጢሓ ኣብ አብ አስመራ ኣብ ኮሮሻ ስልጣን ክትውጣሕ ዘይቀረበቶን ዘይጻሕተረቶን አይነበረን። ናይ ቀረባ ተዘክሮ ክክውን ካኣ፡ ፍሉይ ልኡክ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፡ማይክ ሃመር፡ ምስ ደምበ ተቃውሞ ክሰርሕ ሕራይ ኢሉ ክትብል፡ ኣብቲ ኣብ ሎስ ኣንጀልስ ዝነበረ ኣኬባ ምስ ኤትዮጶያውያን፡ ዘይበሎ፡ከዝበሎ ኣቅሪባ ምስ ሄኖክ ተክለ(ብጫ) ዝገበረቶ ቃለ ምሕተት ሰሚዒያ ኣለኩ። ኤርሳት’ውን ከም ዜና ኣቅሪባቶ ነይራ። ውጹእ ሓሶት ዝኮነ።
ሳባ ሓንቲ ካብቶም ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጆኖሳይድ ኣካይዳ ተባሂሉ ክወዓዋዕ ብግብሪ ካብ ዘሰርሑ ኮይና፡ ናይ ቤተሰብን ናይ ወገንነትን ርክባ ምስ ERIPS (ፕርሰዚደንት ቶማስ ሶሎሙን ፡ ምክትል ፕረዚደንት ዮናስ ሓጎስ) ተጠቂማ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብምምሕዳር ባይደን ክግበር ሰሪሓ ኢያ። ብተወሳኺ ኣብ ይኣክል ክም ኣብ ክፍሊ ድፕሎማሲ ተመዲባ ፤ እቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዐሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ፤ ዓመት ዕድመ ስለ ዝነብሮ፡ ከይወደቀ ኮሎ ንኣውሮጳዊ ሕብረትን ካናዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተመሳሳሊ እገዳ ክትገብሩ፤ ጎስጒሳ ውን ኢያ። ብተወሳኪ’ውን ኤርትራ ጀኖሳይድ ኣክያድ ኣያ ዝብል ደብዳቢ፡ ብምትሕባብር ” ERIPS” ን ግሎባል ያክልን( ሳባ ኣባሉ ዝኮነት) ናብ መንግስቲ ኣመሪካን ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ዓሚ ተዝክሮን ጭብጥን ከምይ ብ ሓሶት ን ኤርትራን ኤርትራውነት ተጸልም እዩ።

ዕላማ ናይ’ዚ ብበዓል ብጫን ሳባን፣ሄንክን ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ድማ ፍሉጥ ኢዩ ኔሩ፡ ወያነ ብብረት፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ህዝብና ብእግዳ ከጥምዮን ክቐዝፉን ኢዩ። ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ድማ ኤርትራዊ ሃገርውነቱ ከዳኽሙ በቲ ሓደ ወገን ዝሓዝዎ ዕላም ኢዩ ኔሩ። ውህሉል ናይዚ ድማ ኤርትራን ኤርትራውነት ክንብርከኽ ዝብል ሕልሚ ኔሩዎም። እቲ ዝሰሓትዎ ግን ኤርትራ ብዙሓት ቢንያም ዝመስሉ አብ ግንባር ዲፕሎማሲ ዝምኩቱ ወሊዳ ምህላዋ ምዝንጋዖም ኢዩ። ኣብ መላእ ዓለም ድማ ንርከብ።

ስለዚ ኢዩ ድም ዲፕሎማት ኤርትራ ኣብ ኢትዩጵያ ቢንያም በርሀ፡ ህዝቢ ብምውዳብን ዲፕሎማሰኛታት ምእንጋድን ዕዉት ስራሕ ብምስራሕ፡ ንሳባን መሳርሕታን፡ መራሕቲ ይኣክልን መራሕቲ ERIPSን ኣቖጢዕዎም ኣሎ።

እቲ ዓመት ምሉእ ብዘይ ምቁራጽ ሞራል ኤርትራውያን ንምውዳቅ፤ ምንእኣስ ኤርትራውያንን ኤርትራን ዝፈጥርዎ ዘለው ዶሮናን ፍሹል ሰነ-ኣምራዊ ኲናትን ክይኣኽሎም፡ ዓንጻር ‘ታ ህዝቢ ኤርትራ አብ ዓመት ሓንሳብ ጥራይ ዘጸንብላን ዘብዕላን መዓልቲ ናጽነት ዝገብርዎ ዘመተ ይቅጽሉ ኣለው። ዕላማኦም ነቲ አብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ምቅዋም ወይ ውን ፍትሒ ንምንጋስ ዘይኮን፣ ጸረ ኤርትራውነትን ኤርትራን ምዃኑን ኣጀንዳ ወያነ የሳስዩ ምህላዎም ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ብግብሮምን ብልሳኖምን ኣመስኪሮም።

እዚ ሎሚ ንሪኦ ዘለና፤ ፈጻሚ ጉዳያት ኤርትራ አብ ሕብረት አፍሪቃ ዝኾነ፤ ናብ ቢንያም በርሀ ዝዓለመ ጸለመን ቅንጸላን ባህሪ (character assassination) ብዛዕባ ድሕረ በይትኡ፤ ኣብ ወጻኢ ጉዳይት ከገልግል ከሎን ወዝተ ዝብል፤ ዕላምኡ ዝስሕቶ ኤርትራዊ የለን።

ፍሽለቶም ንምኽዋል፡ ዘመተ ኣንጻር ሃገራዊ ጽንብላትን ክብርታትን

ሄኖክ፦ ንቢንያም ብቅዓትን ዓቅምን ከምዘይብሉን ጌሩ ንምቅራብ ንኤልሳ ሓላፊቱ ኣስቤዛ ዝብጽሓላ ተላኣኣኺ ኔሩ ክብል ገሊጽዎ ክይኣክል እቲ ሰልጣን ሕዝዎ ዘሎ ተለኣኺ ስለ ዝኾን ክብል ይገልጾ። Mr. Tabloid journalist (he sometimes sound like Desperate Housewife) ሓደ ሓደ እዋን ነዛ ናይ ኢንግልዘኛ ዋዛ ይዘኻኽረኒ ፦ did you hear about the guy who accidentally stole a wig? He walked out of the store and forgot toupee.
ብጫ ድማ ከምቲ ሰራቂ ባሩካ፣ እታ ክሰርቃ ዝሓሰበ ባሩካ ዝረሳዓ፡ ንርእሱ ሰነፍን ኣብ ጠላዕ ምጽዋትን ግዚኡ የሕልፎ ከምዝነበረ ከይተረደኦ ሓቢሩና።

ንነብሱ ንምትዕብባይ ገለ ካብ ዝበሎ ድማ ምስንዕዘብ “ኣነ ዴስኪ ኦፊሰር ናይ ማእከላይ ምብራቅ፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ወሽመጥ ሃገራትን ኔረ” ይብል… ወይ ዲስኪ ኦፊሰር በለ። ኣብ ክፍሊ ናይ ማእከላይ ምብራቅ፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ወሽመጥ ሃገራትን ከም ተራ ተመዲበ መዝነት ኣይነበርንን ክብል ድዩ የሕፊርዎ? እቲ ብቃላቱ አብ ኮምፕዩተር ጠላዕ ክጻወት ግዜ የሕልፍ ከምዝነበረ ዝነገረና ብጫ፤ ከምቲ ሶል ሚድያ ዝሓበሮ ኣብ ባር-ጋሽ ባር-እርግኣለም ባር-ግራር ብብዝሒ ይረኣ ምንባሩ ዝተገልጸ ብመንታይ መለክዒ ዳኣ ነቲ ብጠባዩ ትሕትንኡን መማህርቱን መሳርሕቱን ናይ ቀረባ ዝፈልጥዎን ዝምስክሩሉ ቢንም፡ ሄኖክ ብጫ ብማዕዶ ጥራይ ዝፈልጦ ከጽልሞ ህርድግ ኢሉ ዝጠፍኣኩም ኣይመስለንን ክቡራት ኣንበብቲ።ሄኖክ ተክለ፡ ን ቢንያም ኣይፈልጦን እዩ። ብቀረባ። እዚ ካብ ዝብሎ ዝነበረ ክትርዳእ ትክእል። ነተን ዝብለን ዝነበረ ይደጋግም፡ ዝብሎ ምስ ጠፍኦ ካኣ ናብ ጸርፊ ይከይድ። እታ ጎሊሓ ዝወጸት ቃላ “ማሓዮ” ትብል እያ። ሄኖክ ተክለ(ብጫ) ናይ መን ማሓዮ ኢኻ?

ካልእ ተወሳኪ ዝተዓዘብክዎ ተነይሩ ካኣ፡ ሄኖክ ተክለ( ብጫ) ኣብ ዝተመደበሉ ኣገልግሎት ቁምነገር ዝባሃል ስራሕ ከምዘይ ስርሐ እዩ። ዋላ እዃ ጸቅጥን መሰናክላታን ከምኡ ‘ውን ናይ ስራሕ ዕድላታን ጸቢብ እንተኮን፡ ገለ’ግን ነዚ ብድሆ ፈንጢሶም ዝወጽኡ ቡዙሓት እዮም። ተረከስ ኢሉካ እምበር ቢንያም በርሀ ጥራይ ኣይኮነን ካብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ካብ ዝተመደቡ ናብ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝበጽሑ ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዝተመደቡ። ዘይ ከማኻ ድማ ኣካዳምያዊ ፍልጠቶምን ብዝያዳ ድማ ብልሓዊ ዓቅሞምን ብስረሖም ኣብ ዮኒቨርስትን ኣብ ወጻኢ ጉድያትን ዝመስከሩ ኣለዉ ። ገለ ካብዚ ኣቶም ዘረኢስላሴ ረድኢ ካብ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ቁንስላዊ ጉዳያት ኣብ ናይጀርያ ተመዲቡ። ምኬኤል ሓጎስ ፡ኣብ ሃገረ ራሻ ተምዲቡ። ሃብቶም ዘርኣይ ቻርጅ ዲኣፍየር ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኔሩ፣ ነቢል ሰዒድ ኣማኻሪን ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገርትን ኣሎ … ካልኦትን ብዙሓው ውን ይርከብዎም።ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ክስልጥኑ፡ኣብ ሃገረ ሂንዲ ይርከቡ።

እሞ ሰለምንታይ ድኣ እዚ ሳልስቲ ከይገበረ ዝፈሽል ናይ ሓሶት ምስክርነት ኢልኩም ትሓቱ ትኾኑ። ሓዲሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ድሙቅን ብሃገራዊ ስምዒትን ዝካየዱ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ንምድኻምን ጥራይ ዘይኮነ ጎሊሑ ንኽይረእን ከም ሰረሐይ ኢሉ ብድሕሪ ሶሻል ምድያን ድሕሪ screen ተሓቢኡ ዘካይዶ ዘመተ ፍሹላት ኢዩ። ዓሚ ውን ተመሳሳሊ ብርጌድ ንሓመዱ ተዓዊቱ 1 ብ 0፣ 10 ብ 0 እንዳ በለ ነቲ ናይ ኣብ ምሉእ ኣውሮፓ ዝተኻየደ ድሙቕን ተሳትፎ ህዝብን ዝመስከረ ፈስቲቫላት ኤርትራ ንተሳተፍቲ ቆልዓ ሰበይቲ ብእምኒ በትርን ክህረሙ ኣብ ሶሻል ሚድያ ዘተባብዕ ዝነበረ ሄኖክ ተክለ (ብጫ) ኢዩ።

ሐጂ ውን ስለምንታይ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዲፕሎማት ብቢንያም በርሀ ዝተወደበ ዕዉት ባዓል ናጽነት ምጥቃዕ ዝብል ሕቶ ይልዓል ይኽውን። ብደቂቅ ንዝመራመር ሰብ እቲ መልሲ ንጹር ኢዩ ። ጽንብል ምብዓል ናጽነትን ፈስቲቫላትን ኤርትርራ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ብብዝሒ ተሳተፍነት ኤርትራውያን ተራእዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሳቲፎም ዘይፈልጡ “silent majority” ከምኡ’ውን ንነብሶም ምስ ደንበ ተቃውሞ ዝቆጽርዋ ዝነበሩ ውን ብብዝሒ ነቲ ባዓላት ህዝቢ ክጽንበርዎ ተራእዮም።
እዚ ተርእዮ ዘመሓላልፎ ንጹር መልእኽቲ እንተሎ፡ እቶም ንዓመታት ተቃወምቲ ውድባትን ተቃወምቲ ናይ ፍትሒ ማዕከን ሓበሬት ኢና ወከልቲ ህዝቢ ኢና እንዳበሉ (exhibiting an inflated sense of their presence and impact) ብዙሕ ዝረእ ዶሮና ግና ግብራውነት ዘይብሉ ስራሓቶም ስለ ዘጉልሕ ኢዩ። እወ እቶም ተቃወምቲ ኢና ዝብሎ (ከም ግሎባል ይኣክል፡ ይኣክል ሰሜን ኣምሪካን፡ ፍልሲ ካልኦት መስልቶምን) ግና 500 ዝኾኑ ኤርትራውይን ኣብ ሓደ መኣዲ ዘተ ይኹን ጽንብል ክጥርንፉ ዓቅምን ከእለትን ዘይብሎም። እወ እተን ህዝባውያን ናይ ፍትሒ ምድያ ኢና ህዝቢ ነንቕሕ ኣለና እንዳ በላ ከም ባዓል ሄኖክ ተክል (ብጫ) ኣዋፈረን ንዓመታት መርዚ እንዳ ነዝሓ ወፈያ ካብ ህዝቢ ዝሽምጥጣ፡ ሓገዛት ዝሓታ ስጋዕ ሕጂ ዘበርክተኦ ዘድመዕኦን ውጺኢታዊ ሰራሕ ከምዘየለ ዘግህድ ተርኢዮታት ኢዩ ‘ቲ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፓራ። እዚ ፍሽሎቶም ንምሕባእን ነቶም ዉሕዳት ደገፍቶምን ንምትላል ክይተሓለሉ ወስ ዝብልዎ ክፋል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንድኦም ኢዩ። እንተ ኤርትራውነትን ፍቕሪ ሃገርን ብዝተዓጻጸፈ ደሚቁ ይርከብ።

ርሑስ ምጽንባል መበል 32 ናጽነት ኤርትራ፡
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና!

 

 

Related Articles

6 COMMENTS

  1. እዚ ትብልዎ ምስ ኤርሳትን ሄኖክን ዘለኩም ጽልኢ ይመስል። ሄኖክ ዝብሎ ዘሎ ከኣ መሪር ሓቂ እዩ። ንሕና ንዓኩምን ሓዉስና ኣምሰሉታት ኣለና፡ ቢኒያም ከኣ እንተብፍላጥ እንተብዘይፍላጥ ኣብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኮይኑ ዘገልግን እዩ። ስለዚ ተሓባባሪ ናይ ሽግራት ኤርትራ እዩ።
    ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ሓሳብ ሄኖክን ኤርሳትን ዘለኩም ተቃውሞ ይኩን ርኢቶ ክትህቡ መሰልኩምን ሓላፍነታዊ ግዴታኩም እዩ። ኮይኑ ግን ብከምዚ ናይ ስርዓት ኢሰያስ ብኣዝዩ ሕሱር ዝኮነ ኣገላልጻ ግን ከም ዓቢ ሜድያ/ሰቲት ቅሩብ ትጋገዩ ኣለኩም።

  2. Listen Ghirmay, if someone is a traitor nobody likes him. Henok is a traitor who profits from spreading infectious propaganda against the state of Eritrea and its people.

  3. እንተውሓደ ሄኖክ ብጫ ንርእይቶኡ ሓላፍነት ክወስደሉ ትብዓት ኣርእዩ። ነዚ ኣብ ሰቲት-ሜድያ ቀሪቡ ዘሎ ርእይቶ ግን ጸሓፊኡ ይኹን ሰቲት ሜድያ ሓላፍነት ክወስዱሉ ኣይደለዩን! ሓቂ ዝዛረብ እንተኾይኑ ንምንታይ “ኣጅቦ” ኢሉ ብናይ ብርዒ ሽም ይጽሕፍ ኣይርድኣንን!

    ብዝኾነ: ሄኖክ ተኽለ ብዛዕባ ዲፕሎማት ቢንያም በርሀ ንዘቕረቦ ርእይቶ ጥራሕ ዘይኮነ ንካልእ ፕሮግራማት ናይ Erisat እንተኾነ’ውን ሃናጺ ነቐፌታ ምቕራብ ሓላልን ክተባባዕ ዘለዎን እዩ። ካብኡ ሓሊፍካ ንErisat ከምዘይሃገራዊት ሜድያ ጌርካ ክተቕርባ ምፍታን ግን መርትዖ ዘይብሉ ጠቐነ እዩ። ብኣንጻሩ ክሳብ እቲ ኤርትራ ዝተሳተፈቶ ኲናት ትግራይ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ብናይ ፕሪቶርያ ውዕል ደው ዝብል Erisat ኣዝዩ ሓያል Editorial Policy ጌራ ወዝቢ ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ሓበሬታ ከይምሓላለፍ ውሕሉል ጥንቃቐ ዝገበረት ሜድያ ምዃና ኢና ትዓዚብና። ስለዚ ዝኸበርካ/ኪ “ኣጅቦ” ዓይንና ክተንቁረና ምፍታንካ ንናይ ሰቲት ሜድያ ትኣማንነት (integrity) ኣብ ትዕዝብቲ ተእትዎ ምህላውካ ፈሊጥካ ሓላፍነታዊ ክትከውን ሓደራ እብለካ።
    ሰቲት ሜድያ ኽኣ ብሽም-ኣልቦ ጸሓፍቲ ኣብ ምቕንጻል ዝዓለመ ጽሑፋት ክዝርጋሕ ምፍቃድ ንኣሮን ብርሃነ: ንዳዊት ይስሓቕን ካልኦት ስለ ሓቂ ሂወቶም ዝሰውኡ ጋዜጠኛታት ሰቲት ዝምጥን ተግባር ኣይኮነን እሞ ኢዲቶርያል ፖሊሲኹም ዳግመ ግምት ክትገብሩሉ ለበዋይ አምሓላልፍ።
    ናኦድ በላይ
    ግንቦት 28 2027

  4. ኣቶ ናኦድ በላይ፤ ንዓኻ መዐቀኒ ሃገራዊነት ኢንታይ ኢዩ፧ ሄኖክ ይኹን እቶም ካልኦት ኣብ ኤሪሳት ዝቐርቡ፤ ናይ ብሓቂ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ግምት ጌሮም ይዛረቡ ትብል፧ ብኹሉ መዐቀኒታት ኤሪሳት ኣንኻር ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራን ከምዝኾነት ከመይ ጌርካ ት ስሕቶ፧

  5. ሰቲት እታ ናይ ቀደም ድምጺ ዉጹዓት ብከማኹም ዝብለቡ ወስላተ መስላት ኣፈኛታት ገበነኛ ስርዓት ተተኪኣ ምርኣየይ ይሓዝን። ንስኩም ብምንታይ ክንፈልየኩም ንኽእል ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት፧ ፍልልይኩም ኣብ ስደት ተደርቢኹም ብሕሱም ብርነት ነቲ ዘሰጎጎኩም ስርዓት ተገልግሉ ምህላውኩም እዩ።

  6. ምናልባት ሄኖክ ብጫ ከም ውልቀን ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት ኮይኑብምቅራቡ( ንሱ’ውን ርግጸኛ ኣይኮንኩን ኤርትራዊ ምኳኑ) ኤሪሳት ግን ብመሰረቱ ናይ ወያነን ባርኾትን ምትብባዕን ጎይቶቶምን ምኳና ማንም ክደናገር ኣይክእልን :: ርግጽ’ዩ ኣብቲ መጀመርያ “ድምጺ ህዝቢ ንኹን ” እናበሉ ንገለ ገርህታት ወይ ጸገማት ዘልዎም ኣደናጊሩ ክኸውን ይኽእል ሕጂ ግን ብኹሉ እንትንኣ ርእሰ ግልጽቲ እያ :: ኣንጻር ህዝብን ሃገርን መንግስትን ኤርትራ ምኳና :: ስለዚ ዝኾነ ይኹን እተቕርቦ ነገር ንዝኾነ ኤርትራዊ’የ ዝብል ዝምልከት ኣይኮነን :: ሄኖክ ኤርትራዊ እተኾይኑ ከኣ ቀይሕ መስመር ዝሰገረ ከዳዕ እዩ ::

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

11 − 3 =

Stay Connected

7,416FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles