ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

NEWS:- ፕ.ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቻይና የምርሕ

ብመሰረት CGTN ብ 12 ግንቦት ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፕ.ቻይና ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ብሰንበት 14 ግንቦት ናብ ቻይና ከምርሕ ኢዩ። ፕ. ኢሳይያስ ናብ ቻይና ኣብዝበጽሓሉ፡ ናኡ እንቛዕ ድሓን መጻእኻ ኣቀባብላን ድግስን ክገብረሉ ከምዝኾነ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ክልትኦም መራሕቲ ዝርርብ ክገብሩ ከምዝኾኑ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲት ሃገር ምዃናን፡ ክልትአን ሃገራት ዝጸነሐ ዝምድና ከምዘለወንን ከምዝገለጸ ኢዩ CHTN ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ዘሎ። ኣብ 2022 ክልትኦም መራሕቲ ዝምድና ናይ ኤርትራን ቻይናን ናብ ስትራትጅካዊ ምህዝነት ክብ ከምዘብለዎ ውን እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኽሩ።

ምብጻሕ ፕ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቻይና፡ ነቲ ኩሉ መዳያዊ ዓሙቕ ዝምድና ኤርትራን ቻይና ድፍኢት ክህለዎን፡ ንምሕዝነታዊ ክልተኣዊ ዝምድና ሃገራት፡ ሓድሽ ምዕባለ ንምጉኑጻፍ ከደንፍዕ ተስፋ ከምዝግበረሉ ኢዩ CGTN ዝሕብር።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ኤርትራን ቻይናን፡ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ዝንስሪታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት መበል 30 ዓመት ከምዝኾነ ብምትቃስ፡ ክልተአን ሃገራት ሓድሕዳዊ ምትእሚማን ኣንዳ እዕሞቓ፡ ኣብ ተግብራዊ ዝኾነ ምትሕብባር ፍረ ዘለዎ ውጽኢት ክረኽባ ከምዝጸነሓን፡ ኣብ ኣህጉራዊን ዞባዊን ጉዳያት ድማ ስጡም ርክብ ከምዘጽናሓን ገሊጹ ንወሃቢ ቃል ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ብምጥቃስ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ ሚንስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ብዘስፈሮ ሓበሬታ መሰረት፡ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ፕ.ኢሳይያስ ኣፈወርቂ  ሎሚ ስዓት 5:00 ድ.ቀ ናብ ቻይና ነቂሉ። ፕ.ኢሳይያስ ናብ ቻይና 4 መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ከምዘካይድ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕ.ኢሳይያስ ንኤርትራ፡ ንዝሓለፈ 3ተ ዑቁዳት ብፍጹም ውልቀ ምልካዊነት ዝገዝእ ዘሎ መራሒ ኢዩ። ፕ.ቻይና ሺ ጂፒንግ ድማ ካብ 2013፡ ነታ ብሕሱም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እትፍለጥ፡ ንምልዮናታ ተኸተልቲ እምነት ኢስላም ናብ መዳጎኒ መዓስከራት ኣእትያ ትረከብ ቻይና ዝመርሕ ዘሎ ኢዩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

5 × 1 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles