ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

NEWS:- ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ምስ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ክመያየጥ ኢዩ

ብምሰረት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳይ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን፡ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳያት ዝምልከት ዝርርብ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ኣምበሳደር ነዚ ዝግበር፡ ካብ 10 ክሳብ 19 ግንቦት ናብ ካሊፎርኒያ ኣብ ዝጎዓዘሉ ግዜ ኢዩ።

እቲ ኣምበሳደር ምስ ኣብ ሕብራት መንስግታት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዝገብሮ ልዝብ፡ ነቲ ብ 2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦታትን ዕብየት ኢትዮጵያን ዝምልከት ኢዩ።  እቲ ርክብ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀሎስ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ዝካየድ ኮይኑ፡ እቲ ኣምባሳደር፡ ምስ ትወለድቲ ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ሶማልን ትግራይን ከምዝራኸብ፡ ብተወሳኺ፡ ብሓፈሻ ምስ ማሕበረ-ሰብ ኣመሪካዊያን-ኢትዮጵያዊያን ውን ከምዝዘራረብ፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ጸብጽቡ ይርከብ።

ነዚ ርክብ ዘስተኣናግድ ዘሎ ትካል፡ ሓድነት ደቂኣንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ኮይኑ፡ ምድንፋዕ ሰላምን ምሕያል ደቂኣንስትዮን ገለ ካብቲ ቆላሕታኣ ዝግበረሎም ዛዕባታት ከምዝኾኑ ጸብጻብ ኣዲስ ስታንዳርድ የረድእ። ብተወሳኺ ኣምባሳደር ሃመር ምስ ካንቲባ ከተማ ሎሳንጀሎስ ዝኾነት ከረን ባስ ክራከብ ከምዝኾነ ተሓብሩ ኣሎ።

ፍሉይ ልኡኻ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን እትዮጵያ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክሲ ካብዘቕርቡ ሰበ ስልጣን ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደ ኮይኑ፡ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ምስ ትካል ሰላም ሕብራት መንግስታት ኣብዝገበሮ ዘተ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ዞባ ንምውጻእ ጻዕሪ ይግበር ምህላዉ ጠቂሱ ምንባሩ ይዝከር።

 

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

one × 2 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles