Wednesday, February 21, 2024

ኤርትራዊ ናሆም ኣብርሃም ተዓዋቲ ሽልማት (IEFTA) ኮይኑ

ኣብቲ ብ ሶኒ 20 ለካቲት 2023፡ ብ International Emerging Film Talent Association ዝፍለጥ  ዝተኻየደ ምዕዳል ሽልማት፡ ኤርትራዊ ናሆም ኣብርሃም ተዓዋቲ ናይ $ 5000 ዶላር ኣመሪካ ምዃኑ ተፈሊጡ። ንናሆም ኣብርሃም ነዚ ዓወት ክዓትር ዘብቀዐቶ “ HOME” እትብል ሓጻር ፍልም ከምዝኾነት ውን ተገሊጹ።

ዛንታ ናይ’ታ ድርሰት፡ ዳግማይ ክራኸቡ ናይ ዝናፍቑ ክልተ ሰብ ሓዳር ኮይና፡ በዓል ቤታ ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ንምርካብ ካብ ሃገሩ ከምዝወጸን ንዓዱ ክምለስ ድማ ከምዝሓልም ትትርኽ።

ኣብዚ ካብ ዝተፈላለያ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝኾኑ ደረስቲ ፍልም፡ ብደረጃ ዓለም ዝተወዳደርሉ መድረኽ፡ ብውሩያት ናይ ዓለምና ደያኑ ዝተምዝነ ምንባሩ ውን International Emerging Film Talent Association  ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የረድእ።

ተወዳደርቲ፡ ብዓለም ደረጃን፡ ካብ መርኻቢታት ሰራሕቲ ፍልምን ዝተሓርዩ ምንባሮም ድማ ይግለጽ። በዚ መሰረት 10 ናብ ሓውሲ ፍጻመ ዝበጸሑ ድሕሪ ምምራጾም፡ ብዙም ብዛዕባ ኣምር ፍልሚታቶም ንደያኑ ሓሳቦም ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ። እቶም ኣብ መወዳእታ ዝተመርጹ ሰለስተ ተወዳደርቲ ድማ፡ ፍልሚታቶም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ከረክቡ ከምዝተገብረ ብተወሳኺ ተገሊጹ።  ቀንዲ ሮቛሒታት ድማ እተን ፍልሚታት ዘይዓመጻዊን ዘይፖለቲካዊን ክኾና ዝቢል ምንባሩ ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብተወሳኺ International Emerging Film Talent Association ኣፍሪቃ ብ ባሕቲ ሰነ 2023 ክካየድ ከምዝኾነን፡ ተሳተፍቲ ድማ ካብ ባሕቲ ግንቦት ጀሚሮም ከመልክቱ ከምዝኽእሉን filmfestival.com ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣስፊራ ኣላ። እዚ ውድድር ድማ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ጥራይ ክፉት ክኸውን ምዃኑ እታ መርበብ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣስፊራቶ ኣሎ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

5 × three =

Stay Connected

7,417FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles