ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ደቡስ ሱዳን ሰራዊት ናብ ኮንጎ ተዋፍር

ደቡብ ሱዳን ብረቡዕ 28 ታሕሳስ 2022፡ 750 ዝኾኑ ወተሃደራት፡ ናብ ምብራቓዊ  ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣዋፊራ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ሓይልታት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ብ M23ን ዝፍለጡ ዓመጽትን ክካየድ ዝጸነሐ ውግእ፡ ንማሕበረ-ኮም ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥሙር ሓባራዊ ዞባዊ ሓይሊ  ናብ ኮንጎ ከዋፍር ደሪኽዎ ይርከብ።

በዚ መሰረት፡ ኬንያ፡ ብሩንዲን ኡጋንዳን ሰራዊተን ኣቐዲም ኣብለን ናብ ኮንጎ ከዋፍራ ከለዋ፡  ድማ ደቡብ ሱዳን ብግደኣ ድማ፡ ሰራዊታ ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተዋፍር ኣላ። ብኣጋጣሚ ምውፋር ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፡ ፕረዝደንቲ ናይ’ታ ሃገር ሳልቫ ኪር፡ እቶም ናብ ኮንጎ ዝወፍሩ ዘለዉ ወተሃደራት፡ ስርዓት ክሕልዉን ሰላማውያን ሰባት ክከላኸሉን ተማሕጺኑ።

ሳልቫ ኪር ወሲኹ፡ እቶም ወተሃደራት፡ ብልምዲ ብሰራዊት ዓቃቢ-ሰላም ዝልበስ፡ ሰሜያዊ ጥርቡሽ ከይለበሱ እኳ ይወፍሩ እንተሃለው፡ ኣብቲ ዝኸድሉ ዘለዎ ተልእኮ ብዘርእይዎ መንፈዓት፡ ናብ ካልእ ተልእኾ ክወፍሩ ከምዝኾኑን፡ እታ ለቢሶማ ዘለዎ ጥርቡሽ ድማ ፡ ናብ ሰመያዊት ክትልወጥ ምዃናን ሓቢርዎም።

ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ብወገና፡ ኣገዳስነት እቲ ተልእኾ ደጊማ ኣረጋጊጻ። እታ በዓልቲ ስልጣን ወሲኻ፡ ደቡብ ሱዳን ናጽነት ድሕሪ ምጉንጻፋ፡ እዚ ነታ ሃገር ናይ መጀመርታ ተልእኾ ምዃኑ ኣዘኻኽራ። ብምቅጻል፡ ሰላምን ጸጥታን ደቡብ ሱዳን ንምዕቓብ ኣብታ ሃገር ሰራዊት ዓቃቢ-ሰላም ተዋፊሩ ምህላዉ ብምጥቓስ፡ ሰራዊት ሃገራ፡ ኣብ ምስፋን ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ኮንጎ ንምስታፋ እጃሙ ከበርክት ይውፍር ምህላዉ ጠቒሳ።

እሙናት ዕጡቃት ሳልቫ ኪርን መቀናቕንቱ ሪክ ማቻርን ዝነበሩ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ዕጡቓት ናብ ሰራዊት ናይ’ታ ሃገር ምጽባሮም ይዝከር። እዚ ደቡብ ሱዳን ናብ ኮንጎ ሰራዊት ናይ ምፋር ውሳነ ድማ ዳርጋ 4 ወርሒ ድሕሪ እቲ ምጽንባር ዕጡቃት ኣብ ሰራዊት ናይ’ታ ሃገር ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብ ሃገራቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ሕንፍሽፍሽ ከምዝረአን፡ ጎረባብቲ ሃገራት ዶበ ሰጊረን፡ ሰራዊት ዝልእኻሉ ተርእዮታት ልሙድ ኮይኑ ምህላዉ ተንተንቲ ይሕብሩ። እዚ ድማ እተን ሃገራት ብዘለወን ስምምዕ ወይ ድማ ብድፊኢት ምዕራባውያን ሃገራት ኢዩ ዝካየድ። ተንተንቲ፡ ኣብ 2006 ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ዝገበረቶ ምትእትታው፡ ኤርትራ ኣብ 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ፡ ሕጂ ድማ ብርክት ዝበላ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝገብረኦ ዘለዋ ምእትታው ከም ኣብነት ይጠቕሱ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

13 + three =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles