ሰሉስ 6 ሰነ 2023 | 6:09 ድ.ቀ

HOME:- ኣብ ዓለም ብኮረና ቫይረስ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን በጺሑ::

ኣብ ዓለም ብኮረና ቫይረስ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን በጺሑ::

 

ኮቪድ-19 ኣብ ዓለም ከም ሕማም ከስፋሕፍሕ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ዓሰርተ ወርሒ ኣቑጺሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን:ብኮረና ቫይረስ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሮም።

   ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ዛጊት ኣብ 188 ሃገራት ዓለም ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎን ፣ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 33 ሚሊዮን ከምዝበጽሐን: ካብዚኣቶም ከኣ ልዕሊ 23 ሚሊዮን ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩን እዩ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ዝገልጽ:: 

 ጠቕላላ ድምር ፍርቂ ናይቶም ኣብ ዓለምና ብሰንኪ ኮሮና ሞይቶም ዘለው ሰባት ድማ ካብ ሃገራት ኣሜሪካ፣ህንዲ፣ብራዚል  ከምዝኾኑ እዮም እቶም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ዝሕብሩ::

 

   ዛጊት በዚ ለበዳዊ ሕማም፣ ዝኾነ ይኹን ናይ ሞት ኣሃዝ ዘየመዝገበት ዘላ ኤርትራ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦም  መግለጺታት ከምዝሕብሮ፣ :ቁጽሪ እቶም በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 375 ክኸዉን እንከሎ: 341 ከኣ ካብቲ ሕማም ከም ዝሓወዩ እዩ ዝገልጽ ።

መውሃቢ ርእይቶ

ርእይቶ ኣብዚ
ስምኩም ኣብዚ

fifteen + thirteen =