Wednesday, February 21, 2024

ኣብ ከተማ በርሊን ጀርመን ፣ንጥርናፈ ስድራቤታት ዝምልከት፣ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብ ከተማ በርሊን ጀርመን ፣ንጥርናፈ  ኤርትራውያን ስድራቤታት ዝምልከት፣ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

 

FB IMG 1601146280980እዞም  ስድራቤታት ፣ ናይ ዑቕባ መሰል ረኺቦም ክነሶም ኣብ ምጥርናፍ  ስድራቤቶም ንዘጋጥሞም ዘሎ ዕንቅፋት፣ መረርኦም ናብ መንግስቲ ጀርመን ንምስማዕ ዝተኻየደ ሰልፊ ኮይኑ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብተናጸልን ይኹን፣ ብሰላማዊ ሰልፊ ተሰንዩ ክግበር ዝጸንሐ ጥርዓናት፣ ዘዕግብ መልሲ ስለዘይተረኽቦ ንኻልኣይ ግዜ ዝግበር ዘሎ እዩ።

 

እዞም ስድራቤታት፣ብድሕሪት ገዲፎሞም ንዝመጹ ኣባላት ስድራቤቶም፣ንምጥርናፍ ኣብ ዝፍትኑሉ፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይርግኡነት ብዝተተሓሓዘ፣ ረኺቦሞ ዘለው ፓለቲካዊ ዑቕባ ዘይሳነ ፣ክሳብ ናብ ኤምባሲታት እቲ ስርዓት ብምኻድ ዝተፈላለየ ናይ ምስክርነት ሰነዳት ከምጽኡ ከምዝሕተቱ እዮም ዝገለጹ።

 

እዚ ኣስታት 1200 ስድራቤታት ተወዳዲቦም ዘካየድዎ ሰልፊ፣ ብዘጋጠመ ሓያል ዝናብን ንፋስን ከይተዓናቐፈ፣  ብ ውዕውዕ ስምዒት ከምዝተኻየደን ፣ ካብ ምሉእ ጀርመን ዝመጹ  ግዱሳት ኤርትራውያን ከምዝተሳተፍዎን ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልጽ።

FB IMG 1601146270396FB IMG 1601146275050

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

19 + 1 =

Stay Connected

7,416FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles