ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ዓመታዊ ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሎሚ 25 መስከረም ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ።

ዓመታዊ ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሎሚ 25 መስከረም ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ዉሁድ ስራሕ ንዉሑስ መጻኢ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብቐጥታ ብፌስቡክ ናብ መላእ ዓለም እንዳተመሓላለፈ፣ ብመገዲ ዙም ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ንዝሓለፈ ዓመት ዝነበሮ ናይ ስራሕ ገምጋም ብምግባርን፡ ዘካየዶ ንጥፈታትን ዕዮታትን ናብ ተሳተፍቲ ኣቕሪቡ ብምዝታይን፡ ነቶም ንዝመጽእ ናይ ስራሕ ግዚኡ ዘገልግልዎ ናይ መሪሕነት ኣካላት፣ ምርጫ ንምክያድን ከም ዓብይቲ ውጥናት ሒዙ’ዩ ዘካይዶ ዘሎ።

ኣብዚ ዋዕላ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ምሁራትን ናይ ክብሪ ዕዱማትን፡ ወከልቲ ማዕከን ሓበሬታትን ይሳተፉ ከምዘለዉ እውን ይፍለጥ።

ዝርዝራዊ ትሕዝቶ እዚ ዋዕላ  ብመልክዕ ሪፖርታጅ ኣብዝመጽእ መዓልታት ከነቕርቦ ምኻና ንሕብር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

6 + sixteen =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

ኩነታትና 

0
ዓቅሊ ጽበት ውሽጥና፡ ንብሃረርታ ዝብህጎ ጽቡቅ ነገር ክሕዝ ጥራይ ዝመጣጠር ኣእዳው ድኣ እምበር፡ ነቲ ናብኡ ክበጽሕ ዝርገጽን፡ ዘይርገጽን ክርኢ ዝሕግዝ ብልሒ ክጥቀመሉ ኣይረኣይን። ነዚ...

NEWS:- ጥምረት ደምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጁለ 7 (G7)ን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ

0
ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ “ምሕያል ደሞክራሲ ኣብ ሃገራት ጉጁለ 7ን ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ተሳቲፉ። ኣብ ሃገረ...

HOME:- ኤርትራውያን ስደተኛታት፤ ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰብ ከይኮኑ ይስጋእ

0
ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዘቃለዖም ክኢላታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ገሊጾም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዑጡቓት ክልል...

Latest Articles