ዓርቢ 2 ሰነ 2023 | 10:38 ድ.ቀ

HOME:- 13 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሊቢያ ዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

IOMትማሊ ዕለት 24  መስከረም ለይቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ኣስታት 13 ሰባት ከምዝሞቱን፣ካብኣቶም ናይ ሰለስተ ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበን ዓለም ለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ገሊጹ። ካብታ እታ ጀልባ ሒዛቶም ዝነበረት ስደተኛታት ዒስራን ክልተን ሰባት ብሂወት ክድሕኑ ከምዝኸኣሉን፣ኣብዚ ግዜ እዚ ብሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ሊብያ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎን ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፣ እቶም ግዳያት ናይቲ ፍጻሜ ግን ዜጋታት ኣየኖት ሃገራት ምዃኖም ኣይጠቐሰን ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ፣ቁጽሪ እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ግዳያት ኣስታት ሽዱሽተ ሚእትን ዒስራን በጺሑ ከምዘሎ እዮም ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘመልክቱ።

መውሃቢ ርእይቶ

ርእይቶ ኣብዚ
ስምኩም ኣብዚ

four × four =