ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ኣብ ስዊዘርላንድ :ምስራሕ ናይ ስደተኛታት መስጎጒ መዓስከር’ ንምቅዎም ሰለምዊ ሰልፊ ክካየድ እዩ::

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክመልሶም ንኽጥዕሞ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ከባቢ ኤርፖርት ሓደ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ምስራሕ ይሸባሸብ ኣሎ።

 

እዚ ኣስታት 250 ስደተኛታት ክሕዝ ትጽቢት ዝግበረሉ መዓስከር ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ሓቲቶም እሞ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ዝዕቆቡሉ ኮይኑ ስደተኛታት ንምስጓጎም መታን ክጥዕም ኣብ ግራንድ ሳኮነ ኣብ ጥቓ ኤርፖርት(መዕርፎ ነፈርቲ) እዩ ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ።

 

ስደተኛታት ኣብ ሃገሮ

ም ብዘጋጥሞም ናይ ፖለቲካ ጸገም፡ ምንዋሕ ውትህድርና፡ ብልሽው ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ጸገምን ካልእ ምኽንያታትን ደሪኽዎም እዮም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ካልእ ሃገር ክስደዱ ዝግደዱ።

እዚ ኣብ ጀኔቫ ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ መዓስከር ስደተኛታት ድማ ንስደተኛታት ካልኣይ ዕድል ዘይህብ፡ ናብቲ ራህሪሖሞ ዝተሰዱ ዘይጠዓሞም ሃገር ዳግማይ ዝመልስ፡ ተመሊሱ ናብ ሓደጋ ዘእትዎም ብምኳኑ ንቃወሞ። እዚ መዓስከር ብተወሳኺ ዓሌታውን ፈላላይን እዩ። ኣብዛ ማእከል ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ዝተደኮና ከተማ ጀኔቫ ክህነጽ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ።

 ምስራሕ እዚ መዓስከር ንምቁዋም 3 ጥቅምቲ 2020 ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ እዩ።

 ሰላማዊ ሰልፊ ዝጅምረሉ ቦታ :- Place de la Navigation (ፓኪ)

ሰዓት :- 14፡00(2፡00 ድ.ቀ)

 

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

5 × 1 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

ኩነታትና 

0
ዓቅሊ ጽበት ውሽጥና፡ ንብሃረርታ ዝብህጎ ጽቡቅ ነገር ክሕዝ ጥራይ ዝመጣጠር ኣእዳው ድኣ እምበር፡ ነቲ ናብኡ ክበጽሕ ዝርገጽን፡ ዘይርገጽን ክርኢ ዝሕግዝ ብልሒ ክጥቀመሉ ኣይረኣይን። ነዚ...

NEWS:- ጥምረት ደምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጁለ 7 (G7)ን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ

0
ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ “ምሕያል ደሞክራሲ ኣብ ሃገራት ጉጁለ 7ን ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ተሳቲፉ። ኣብ ሃገረ...

HOME:- ኤርትራውያን ስደተኛታት፤ ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰብ ከይኮኑ ይስጋእ

0
ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዘቃለዖም ክኢላታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ገሊጾም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዑጡቓት ክልል...

Latest Articles