Tuesday, February 20, 2024

ኮምሽን ሕብረት ኤዉሮጳ: ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምግታእ ሓድሽ ስርዓት የውጽእ::

 20200923 210012ኮምሽን ሕብረት ኤዉሮጳ: ዋሕዚ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቁባን ንምግታእ ይሕግዝ እዩ ዝበሎ ሓድሽ ስርዓት ከምዝኣታተወ ሓቢሩ::

 

እዚ ሓድሽ መስርሕ: ስለስተ ደረጃ ዘለዎ ኮይኑ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝኽተሎ ዝነበረኣብ ስድተኛታት ዘተኮረ ፖሊስታት ዝትክእ እዩ:: ነዚ መስርሕ ክቅየር ዘገደደ መግትኢ ዘይተረኽቦ ዋሕዚ ስደተኛታት ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መስርሕ ኣብ ምግታእን ምክልኻልን ዘድሃበ እዩ::

ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ናይዚ ሓድሽ መስርሕ ኣቀሚጥዎ ዘሎ፡ቀንዲ ዕላማ ኮይኑ: ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ምንጪን መስጋገርን፡  ናይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቑባን ዝኾና ሃገራት: ጽኑዕ ስምምዓት ብምግባር: ነቶም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቁባን ኣብ ሃገሮም ዝሓሸ ናብራ ዝረኽብሉ መንገድን ዉጥንን ምትግባር ምኻኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ብተወሳኺ  ከም ካልኣይ ደረጃ ናይዚ መስርሕ ንፍሮንቲክስ (frontex) ዝበሃል ትካል ምክትታል ዶባትን ባሕርን ኤሮዉጳ፡ ብዓቅሚ ሰብን ተክኖሎጅን ብምድራዕ ኣብ ምክልኻል ዋሕዚ ስደተኛታት ዘለዎ ዓቢ ግደ ንክጻወት ምግባር ዝብል እዩ።

ኣብ  ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ደረጃ ኣብቲ ሕብረት ዘለዋ ሃገራት ዝነበረን ናይ ኮታን ምምቅራሕን ስደተኛታት ኣብ መንጎአን ሓድሽ ኣገባብ ብምትካእ: ስጥሙን ቆዋምን መርገጽን ኣሰራርሓን ኣብ ምትግባር ክሰርሓ ዘኽእል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚሩ   ኮምሽን ሕብረት ኤዉሮጳ: ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ ስደተኛታት ዝነበሮ ፓሊሲ ንኽቅይር  ይካታዓሉ ከም ዘሎን: ክቅይሮ ሙኻኑን ይሕብር ከምዝነበረ ይዝከር::

ኤርትራ ሓንቲ ካብዘን መፍረ ስደተኛታት ኮይና ዝጸንሐት ሃገር ኮይና፡ ሕብረት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምጉዳል ብዝብል ፖሊሲ ንመንግስቲ ኤርትራ ክህቦ ዝጸንሐ ናይ ሚልዮናት ዶላራት ሓገዝ ዝኾነ ውጽኢት ከምዘየምዝገበ ኣብቲ ሕብረት ክውሃብ ዝጸንሐ ርእይቶ ይገልጽ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

twenty − one =

Stay Connected

7,418FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles