ሰሉስ 6 ሰነ 2023 | 5:54 ድ.ቀ

HUMAN RIGHTS:- መግለጺ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን ብምኽንያት 18 መስከረም!

መግለጺ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን ብምኽንያት 18 መስከረም!
ቅድሚ 19 ዓመታት፡18 መስከረም 2001 ንኤርትራን ኤርትራውያንን ነጥበ መቕይሮ ጸላም መዓልቲ ኮይና እያ ተመዝጊባ። ምኽንያቱ ንኤርትራ ሃገርና፡ ናብ ቅኑዕ መገዲ ክመርሕዋ ዝተበገሱ ኣርካናት፡ ብሓበሬታን ንቕሓትን ክስሕልዋ ከይተሓለሉ ዝሰርሑ ዝነበሩ ጋዜጤኛታትን ጸሓፍትን፡ “ዝጎደለ ክንምልእ” ብምባል ምስ መራሕቶም ዝማኸሩን ዝደጋገፉን ዝነበሩ ኣብ ኩሉ ጽሕፊ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝዓዩ ዝነበሩ ሰብ ራኢ ሃገራውያን ዝሰኣነትላ መዓልቲ እያ።

እታ ብመስዋእቲ ደቃ ዳግማይ ዝተተኽለት ሃገርና፡ ክትብልጽግን ክትምዕብልን፡ እቲ ንዓመታት ከርተት ዝበለ ህዝብና “እፎይ!” ኢሉ ብቕሳነት ሰላማዊት ሃገሩ ከስተማቕር፡ ዴሞክራሲን ልዕልና ሕግን ኣውሒሱ ሃገሩ ክሃንጽ ታተ ኣብ ዝብለሉ ዝነበር እዋን፡ በቲ ድሕሪ ናጽነት ስልጣን ዝገበተ ጉጅለ ውልቀመላኺ ናብ ዘይተጸበዮን ዘይሓሰቦን ኩናት ኣትዩ። ኩናት ዘኸትሎ ኩለንትናዊ ሃሰያ ተጻዊሩ ዳግማይ ንህንጸት ሃገር ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ድማ፡ እቶም ጉዕዞ 10 ዓመታት ናጽነት ክምርመር፡ ቅዋም ክትግበር፡ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድን ኤርትራ ናብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክትቅየር ዝጠለቡ ሰበስልጣን መንግስትን፡ ነቲ ጠለብ ዘአንግዱ ዝነበሩ ጋዜጤኛታትን ጸሓፍትን፡ ብ18 መስከረም 2001 ዓለም በቲ ኣብ ኒውዮርክ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣቓልቦኣ ጠምዚዛ ከላ፡ ብኸውሊ ካብ ምውቕ ገዝኦም ኣብ ቅድሚ ዘፍቅርዎም ስድራቤቶም፡ ካብ ስርሖምን ካብ ዝተፈላልየ ዋኒኖመን ናብ ሽላታት ቤትማእሰርቲ ብግፍዒ ዝተወስዱ። ካብታ መዓልቲ ክሳብ ሎሚ ን19 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማሕዩር ናይቲ ጨካን ስርዓት ይበልዩ ኣለው። 18 መስከረም እምበኣር፡ ጉጅለ ኢሰያስ ነቲ ካብ 91 ክሳብ 98 ፍቅሪ ሃገሩ ተቐኒቱ ኣብይ ክበጽሕ ከምዝኽእል ዘስተብሃለሉ ህዝቢ፡ ካብ 98 ክሳብ 2000 ብኩናት ኣዳኺሙ ኣብ 2001 ድማ ዘራያቱ መንጢሉ ንኤርትራ ናብ ፍጹም ወተሃደራዊን ምልካውን ስርዓት ዘቀየረላ ጸላም መዓልቲ ኮይና ትዝከር ኣላ። እዚ ክበሃል ከሎ ግና፡ ጉጅለ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ነቲ ዜጋታት ብዘይ ፍትሓዊ ኣገባብ ምእሳርን ምስዋርን ኣብ ሰውራን ብፍላይ ድማ ድሕሪ 91 እግሩ ከይኣተወ ዝጀመሮ ኮዩኑ፡ ብዙሓት ሰብ ውዕለት ሃገራውያን ኣሕቂቑን ንስድርኦም ድማ ኣደዳ ዝኽትምና ጌሩን እዩ። ናይ 18 መስከረም ፍሉይ ዝገብሮ ግና፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ መንግስቲ ዝሰርሑ ዝነበሩን ናጽነት ሓበሬታ ንምውሓስ ዝቃለሱ ዝነበሩ ተበዓት መንእሰያትን ብሓባር ግዳይ ዝገበረሉ መዓለቲ ስለዝኾነ እዩ።

ሎሚ ኣብ ዝኽሪ እዛ መራር ዕለት እምበኣር፡ ሰውራውያን መራሕትና ዘበገስዎ ሕቶ ዴሞክራስን ልዕልና ሐግን ክውን ንምግባር፡ ንሃገርና ድማ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ሰልሚ ጥፍኣት ንምድሓን፡ ብሓባር “ይኣክል!! ” ብምጭራሕ፡ ንቓልሲ ንብገሰሉን ማሕላና ነሐድሰላን ክትከውን ይግባእ። ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ሃገር ክትድሕን ከምዘይትኽእል ብምስትብሃል፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ኣፋላላይ ሃገራዊ እጃሙ ከበርክት ንጽውዕ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ሞጎስን ንሰማእታትና!
ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲና፡ ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!
ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን
18 መስከረም 2020

መውሃቢ ርእይቶ

ርእይቶ ኣብዚ
ስምኩም ኣብዚ

19 + two =