ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህወሓት ተራኺቦም

ብመሰረት’ቲ ብሮቡዕ 2 ሕዳር 2022፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህወሓትን ብ ሶኒ 7 ሕዳር ኣብ ከንያ ተራኺቦም። ብምሰረተ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህወሓትን ተራኺቦም ዘለው ንመስርሕ ምውራድ ዕጥቂ፡ ዑጡቃት ህወሓት ንምዝሪራብ ኢዩ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ብወገን ህወሓት ድማ ጄነራል ታደሰ ወረደ ኢዮም ኣብዚ ኣብ ከንያ ዝግበር ዘሎ ዘርርብ ዝተረኽቡ።
ኣብ’ቲ ክልተኦም ወተሃደራዊያን መራሕቲ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ተሪኺቡ፡ “ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እዞም ወተሃደራዊያን ኣዘዝቲ ንዘተ ኣብ ናይሮቢ ምርኻቦም፡ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ እወንታዊ ተስፋ ከምዘለዎ ዘመልክት’ዩ” ክብል ገልጽዎ፥- ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኦሊሶጎን ኣባሳንጆ።
ንህወሓት ወኪሉ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ፡ ኣቶ ገታቸው ረዳ ብወገኑ፡ “ብመሰረት ስምምዕና፡ ክግበሩ ዘለዎም ነገራት ብርኪት ዝበሉ ኣለዉ። ምጅማር ኣግልግሎታት ሓደ ካብኡ ኮይኑ፡ ዝያዳ ኣግልግሎት ምስ ዝህሉ፡ ዝያዳ ርክክባት ይህሉ፡ ዝዛየድ ርክክባት ምስ ዝህሉ ድማ ዝያዳ ተስፋ ኣብ ህዝቢ የስርጽ ኢዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሪድዋን ሑሴን ብወገኑ፡ ኣገልግሎታት ንምጅማር ኣድላዪ እኳ እንተኾነ፡ ቅድሚ ክሉ ግን ህዝቢ መግቢ ክመዘድልዮ ሓብሩ። ፕርዝደንት ከንያ ነበር ኡሁሩ ከንያታ፡ ብወገኑ፡ “እዚ ዘተ ኣብ ፕሪቶሪያ ጀምርና፡ ዝቅጽል ርክብና ድማ ኣብ መቐለ ክንገብር ተስፋ እግበር” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ ምወዳእታ ኣብ ኣድስ ኣበባ ክንጽምብሎ ተስፋ ኣለኒ፡ እዚ ድማ ጾሎትናን ተስፋናን ኢዩ” ኢሉ።
ብ 4 ኣርባዕተ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ከቢድ ሰብኣዊን ንዋታውን ዕንወት ከምዘስዓበ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ነዚ ኣዕናዊ ኲናት መፍትሒ ንምርካብ ድሕሪ ክካየድ ዝጸነሐ ጻዕሪ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብሮቡዕ 2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ምቑራጽ ተጻብኦታት ከምዝተበጽሐ ይዝከር። ከም መቀጸልታ ናይ’ቲ ስምምዕ ድማ፡ ክልትኦም ወገናት፡ ነቲ ስምምዕ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዘኽእሎም ዝርርባት ክቕጽሉ ተስፋ ይግበር። በዚ መሰረት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ መቐለ ክኣቱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመርን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ክኣቱን፡ ከምኡ ድማ፡ መስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ህወሓትን ክውን ክኸውን ኢዩ ትጽቢት ዘሎ።

Related Articles

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles