Tuesday, February 20, 2024

ኣይዳ መብራህቱ ተዓዋቲት ወይዘሪት ኣፍሪቃ ኮይና

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ 2022፡ ዝተሳተፈት ኤርትራዊት ኣይዳ መብራህቱ፡ ተዓዋቲት ወይዘሪት ኣፍሪቃ ኮይና ተዓዊታ። ኣብ’ቲ ብርኪት ዝበላ ኣፍሪቃዊያን ደቀ-ኣንስትዮ ዝተሳተፈኦ፡ ብ 4 ሕዳር ኣብ ዝተሳላሰለ ውድድር ኢያ ኣይዳ ዝተዓወተት።

ኣይዳ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኮይና፡  ኣብ ቤት ትምህርቲ መባእታ ዓወት፡ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተኸታተልት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ዝተጻሕፈ ድሕረ-ባይታኣ ይገልጽ

ኣይዳ መበል 25 ዙርያ ሳዋ ድሕሪ ምውራድ፡ ኣብ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ  ቀይሕ  ድሕሪ ምምሃር ኢያ ኣብ 2016 ናብ ስደት ዘምረሐት። ብመሰረት ቢቢሲ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣይዳ መብራህቱ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዓውዲታት ስነ ልቦናን ምምኽኻርን ትመሃር ኣላ።

ሰቲት፡ ንኣይዳ መብራህቱ፥ እንቛዕ ሓጎሰኪ ክትብል ትፈቱ።

Related Articles

Stay Connected

7,418FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles