Monday, March 4, 2024

መንግስቲ ኢትዮጵያን ን ሓይልታት ትግራይን ናይ ፈለማ ዘተ ስላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከካይዱ ትጽቢት ይግበር

ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ደማዊ ውግእን ዘይዕውት ፈተነታት ጻዊዒት ንሰላም ብኣመሪካን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፡ ልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ን 24 ጥቅምቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ (Africa Union) ዝምእከል ናይ ፈለማ ወግዓዊ ዘተ ሰላም ንምክያድ ኣትዮም ከምዘለው ተገሊጹ። እቲ ን 24 ጥቅምቲ ክጅምር ዝተመደበ ዘተ ሰላም ናብ 25 ጥቅምቲ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ከምዝዝከር እዚ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጥቅምቲ 8 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ ብሎጂስትካዊ ጉድለታት ክምዝተዓናቀፈ ተገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።
መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክምዝሰድዱ ክሕብር ከሎ፡ ኣፈኛ ሓይልታት ትግራይ ፕሮፌሰር ከንደያ ገብሪሂወት ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ልኡኻት ትግራይ ድሮ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘለው ሓቢሩ። ልኡኽ ሓይልታት ትግራይ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣፈኛ ሕወሓት ጌታቸው ረዳን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ከምዝርከብዎን ዝሕብር ዛጊት ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ይርከብ። ልኡኻት ሓይልታት ትግራይ ብወተሃደራዊ ነፋሪት ሕ.መ.ኣ ተጓዒዞም ሰንበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣተው፡ ፍሉይ ወኪል ሕ.መ.ኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘሰነዮም ይሕበር።
እዚ ዘተ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ውግእ ንሓይልታት ትግራይ ብምድፋእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብርክት ዝበላ ሓያሎ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዮሉ ኣብዘለውሉ ህሞት ይካየድ ኣሎ።

እቲ ውግእ ኣብቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ሰበ-ስልጣን ትግራይን ዚግበር ናይ ስልጣን ውግእ ዝመንጨወ ኮይኑ፡ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ክሳብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስር ኢትይጵያ ኣቢ ብህዝባዊ ተቃውሞ ናብ ሰልጥን ዝመጽእ ፡ መራሕቲ ናይቲ ን 27 ዓመታት ን ኢትዮጵያ ዘመሓድር ዝነበረ ልፍንታዊ መንግስቲ ኢዮም ኔሮም።

Related Articles

Stay Connected

7,413FansLike
635FollowersFollow
19,200SubscribersSubscribe

Latest Articles