Wednesday, February 21, 2024

ጥምረት ደምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጁለ 7 (G7)ን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ

ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ “ምሕያል ደሞክራሲ ኣብ ሃገራት ጉጁለ 7ን ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ተሳቲፉ።

ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝመደበሩ ጥምረት ድምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ዝተባህለ በርገሳዊ ማሕበር፡ ኣብቲ ብዕለት 26 ን 27 መስከረም 2022 ኣብ ከተማ በርሊን ጀርመን ዝተቃነዐ፡ ዋዕላ ብጉጁለ 7 ዝፍለጣ ሃገራትን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ። ኣብቲ ዋዕላ ነቲ ጽላል ኤርትራውያን ብርገሳዊ ማሕበራት ኣብ ጀርመን ዝኾነ ትካል ወኪላ ዝተሳተፈት ኣደ መንበር ናይቲ ትካል ወይዘሮ ስዒዲ ስራጅ፡ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓለም-ለኻዊ ንጥፈታት ምስታፍ ነቲ ንገብሮ ዘለና ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከምዘደንፍዖ ንሰቲት ኣብዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። ሱታፌ ኤርትራዊያን ትካላት ኣብ ከምዚ መድርኻት፡ ንኣደራዕ ህዝብና ሰፊሕ ኣቃልቦ ክንረኽበሉ ከምዝሕግዘና ውን ወይዘሮ ስዒዲ ገሊጻ።

ወይዘሮ ስዒዲ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ካብ ዝተላዕሉ ዛዕባታት ንሰቲት ክትሕብር ከላ፡ ምድጋፍ ደሞክራስያዊያን በርገሳዊያን ማሕበራት ኣብ ግዜ ሓያል ቅልውላው ዝብሉ ከምዘጠቃልል ገሊጻ። ወሲኻ ኣደ መንበር ጥምረት ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ወይዘሮ ስዒዲ ስራጅ፡ እቲ ዋዕላ፡ ብዛዕባ’ቶም ዛጊት ተወሲዶም ዘለው ተበግሶታትን ተክእሎታ ሽርክና ንምንድፋዕ ደሞክራስን ሓፈሻዊ ስእሊ ከምዘፈጠረ ጠቒሳ።

ኣብቲ ብፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ጀርመንን ፕርዝደንቲ ናይቲ ጉጁለ 7 (G7) ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ንጥምረት ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ሓዊሱ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ወከልቲ ክርከቡ ከለው፡  ካብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ውን ዳይረክተር ዞባ ኣፍሪቃ ናይ UNDP ኣብቲ ዋዕላ ተረኺባ ተሳቲፋ።

[box type=”info” align=”” class=”” width=””]ኣባል ሃገራት ጉጁለ 7፥ ጀርመን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ፍራንሳ፡ ጣልያን፡ ስጳኛ፡ ንግስነት ዓባይ ብሪጣንያን ጃፓንን ኮይነን፡ ሕብረት ኣወሮጵያ ውን ከም ኣሃዝ ዘይቆጸር ኣባልነት ኣለዎ።[/box]

Related Articles

Stay Connected

7,416FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles