Monday, March 4, 2024

ኤርትራዊ ተዋሳኣይ ሰዓረ ፍጹም ንስልማት ሶቲጊ ተሮቍሒ

ኤርትራዊ ተዋሳኣይ ሰዓረ ፍጹም፤ ንስልማት ሶቲጊ ከምዝተሮቝሐ ተፈሊጡ። ስልማት ሶቲጊ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ስልማት ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኤርትራዊ ተዋሳኣይ ሳዓረ ነዚ ስልማት ዝተሓጽየ ኣብታ “ሰዓረ” ዘርእስታ ሓጻር ፍልሚ ብዘርኣዮ ብቕዓት ከምዝኾነ፤ ካብ ሶቲጊ ኣዋርድ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ተዋሳኣይ ሰዓረ ፍጹም፤ ኣብታ ፍልም ብዝነበሮ ተራ፤ ኣብ ሰለስተ ምድብ ስልማት ማለት፤ ዝበለጸ ተዋሳኣይ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ፤ ወርቃዊ ስልማት ንብሉጽ ተዋሳኣይ ኣፍሪቃን ሕርያ ህዝቢ ንዝበለጸ ተዋሳኣይ ኣፍሪቃን ኢዩ ተሮቝሑ ዘሎ። እዚ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ተዋሳእቲ ዝሳተፍሉ ናይ ስላማት ስነ ስርዓት ሎሚ ዓመት ንመበል 7ይ ግዜ ካብ ዕለት 9 – 12 ሕዳር ናይዚ ዓመት ኣብ ቡርኪናፋሶ ክካየድ ኢዩ። ኣብዚ ብድምር 42 ሕጽያት ከምዘለው ሰነዳት ናይቲ ነዚ ስልማት ዘዳሉ ትካል የብርህ።

ተዋሳኣይ ሰዓረ ፍጹም ዝተዋሳኣላ ፍልም፤ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓደ ካብ ኣመሪካ ናብ ሃገሩ ኤርትራ ንቅሩብ ግዜ ዝተመልሰ፡ ኣጋጣሚ ኣብ ኤርትራ እንከሎ ኵናት ምስተወለዐ፤ ናብ ግንባር ናይ ዝኸተተ ዜጋ ታሪኽን ፍጻሜን ተዘንቱ ኢያ። ዝበዝሐ ምከና ናይታ ፍልም ድማ ኣብ ከባቢታት ዓደቀይሕ፤ ሓዋጹ፤ ሰንዓፈ፡ በለውከለው ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ኤርትራዊት ተዋሳኢት ዊንታ ገብረዝጋብሄር ኣብታ ማጨሎ ዘርእሰታ ዝነበራ ተራ ተመሪጻ ምንባራ ይዝከር።

Related Articles

Stay Connected

7,413FansLike
635FollowersFollow
19,200SubscribersSubscribe

Latest Articles