ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሂንዲ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ የካዪድ

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሂንዲ፡ ሚኒስተር ሽሪ ቪ ሙራሊድሃራን፡ ብ 14ን 15 መስከረም 2022፡ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ሙዃኑ፡ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሂንዲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልጽ። ሚኒስተር ሽሪ፡ ኣብ ወግዓዊ ጽንብል ሓድሽ ፕረዝደንት ከንያ፤ ዊልያም ሩቶ ድሕሪ ምስታፉ፤ ናብ ኤርትራ ከምዝኸይድ እዩ  እቲ ሓበሬታ ዘመላኽት።

ሚኒስተር ሽሪ ቪ ሙራሊድሃራን፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ፤ ምስ ፕረዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን  ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ከምዝራኸብ፤ ከምኡ ውን ምስ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ሂንዳውያ ማሓብረሰብ  ርክብ ከምዘካይድ፡ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ዝምድና ኤርትራን ሂንድን ካብ 1993 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኤርትራ ብብዝሒ መምሃራን ካብ ሂንዲ ከምተምጽእ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብ 2020 ናይ ኮቪድ ለበዳ  ኣብ ዝተከሰተሉ፡ ሃገረ ሂንዲ ናይ ስርናይ ሓገዝ ናብ ኤርትራ ከምዝላኣኸት ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

four × five =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

OPINION:- ክልተ ተደሚሩን ረቢሑን ኣርባዕተ’ዩ !!!

0
ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ከይዲ ንጹር ሓሳባዊ  መልሲ ዘየቀመጥካሉ ሕቶ  ተሓንጊጥካ ምምራሽ ማለት  ከም ምስ መዓልታዊ  ተገቲሩ ዝጸንሓካ ማዕጾ ገዛኻ  መዓልታዊ  ምግጫው ማለት ኢዩ ። ህውሓት...

HOME:- ሸርክነት ትካል ኩሉሊን መንግስቲ ኤርትራን ይብተኽ

0
ዳናኪል፥ ኣውስርትራልያዊት ኩባንያ፥  ኣብ ደንከል ንጥፈታት ዕደና ፖታሽ ምድህሳስን ነቲ ዕደና ዘድሊ ምምዕባል ትሕተ ቅርጺ ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝነበሮ ሓምሳ ምኢታዊ ...

HOME:- ናይ ወጻኢ ሓይልታት ን መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ የተዓናቕፎ ከምዘሎ ማይክ ሃመር ሓቢሩ

0
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር፡ ካብ ዕለት 5 መስከረም ክሳብ 16 መስከረም 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ኣብ ማእከል...

Latest Articles